1 / 104

ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ !!!

ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ !!!. ኣዳላዊ፡- በይን ሙሉጌታ November 06,2012. ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ. መጽሓፍ ቕዱስ ማለት እንታይ ማለት እዩ᎒ መጽሓፍ ቅዱስ ካበይ መጺኡ᎒ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ’ዩ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ዝፍለ᎒ ኣከፋፍላ መጽሓፍ ቅዱስ። ንመጽሓፍ ቅዱስ መን ጽሒፍዎ᎒ እግዚኣብሄር ብኸመይ ዝበለ ኣጋባብ ተዛረቦም᎒ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይንበብ።

cardea
Download Presentation

ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ !!!

An Image/Link below is provided (as is) to download presentation Download Policy: Content on the Website is provided to you AS IS for your information and personal use and may not be sold / licensed / shared on other websites without getting consent from its author. Content is provided to you AS IS for your information and personal use only. Download presentation by click this link. While downloading, if for some reason you are not able to download a presentation, the publisher may have deleted the file from their server. During download, if you can't get a presentation, the file might be deleted by the publisher.

E N D

Presentation Transcript


  1. ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ!!! ኣዳላዊ፡- በይን ሙሉጌታ November 06,2012

  2. ትምህርቲ መጽሓፍ ቕዱስ • መጽሓፍ ቕዱስ ማለት እንታይ ማለት እዩ᎒ • መጽሓፍ ቅዱስ ካበይ መጺኡ᎒ • መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ’ዩ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ዝፍለ᎒ • ኣከፋፍላ መጽሓፍ ቅዱስ። • ንመጽሓፍ ቅዱስ መን ጽሒፍዎ᎒ • እግዚኣብሄር ብኸመይ ዝበለ ኣጋባብ ተዛረቦም᎒ • ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ። • መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይንበብ። • ምስክርነት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት።

  3. 1. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ማለት እዩ᎒ • መጽሓፍ ቅዱስ ዝብል ሓረግ ካብ ‘’መጽሓፍን” “ቅዱስን” ዝብሉ ክልተ ቃላት ዝተረኽበ ክኸውን ከሎ፤ መጽሓፍ፡- ማለት ቃላት ተጠቃሊሎም ኣብ ሓደ ጥራዝ ዝትጠርነፉ ከመልክት (ክኸውን) ከሎ፣ ቅዱስ፡- ዝብል ቃል ድማ ብዕብራይስጥ “ ክዳሽ” ብሱርት “ካዲሽ” ብግእዝን ብዓረብን ከኣ ቅዱስ ካብ ዝብል ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “ዝተፈለየ መጽሓፍ” ማለት እዩ። • መጽሓፍ ቕዱስ፣ ብርግጽ መጽሓፍ እዩ፣ ግን ከኣ ተራ መጽሓፍ ኣይኮነን። ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና መንገዲ ኣምላኽ ድማ ዘርእየንናን ቃል ህይወት ዝኾነናን ህይወት ዝህበናን እዩ። ከም ክርስትያን መጠን እንታይነት መጽሓፍ ቅዱስ ክንፈልጥ የድልየና። ከምቲ ኩሉ ፍልስፍናዊ መጽሓፍ ነናቱ ዝኾነ መንገዲ ዘለዎ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ባዕሉ መንገዲ (ሰመያዊ መንገዲ) ኣለዎ።

  4. 2. መጽሓፍ ቅዱስ ካበይ መጺኡ᎒ • መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ባዕሉ እዩ። በዚ ኢና ድማ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ እዩ ንብል ዘለና። ነዚ ዘረጋግጸልና ጥቅሲ ንመልከት፣ “እግዚኣብሄር ግና በለኒ፣ ናብ ዝልእከካ ኩሉ ኪድ፣ እቲ ዝእዝዘካ ኩሉ ድማ ተዛረብ” ዝብል እዩ። (ት/ኤር 1፥7) • ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብቅዱሳን ሰባት ኣቢሉ ካብ እግዚብሄር ዝተዋህበና ቕዱስ መጽሓፍ እዩ። 2ይ ጴጥ 1፥20-21፤ 2ይ ጢሞ 3፥15-16።

  5. 3.መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ብኸመይ’ዩ ዝፍለ᎒ • መጽሓፍ ቅዱስ በዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ (6) ነጥብታት ካብ ካለኦት መጻሕፍቲ ይፍለ። • ብናይ እግዚኣብሄር ዝተላእኩ ቅዱሳን ሰባት ዝተጻሕፈ ስለ ዝኾነ። ት/ኢሳ 34፥16 ፣ ዘጸ 17፥14 ፣ 2 ጴጥ 1፥20-21 ፣ ራእይ 1፥11። • መጽሓፍ ቅዱስ ብዕድሜኡ ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ፍሉይ እዩ፣ምኽንያቱ ብቕድሚኡ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ስለ ዘይነበረ። • ወዲ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ብዛዕባ ዝነበረ ርግጸኛ ኮይኑ ስለ ዝዛረብ። • ንመጻኢ (Future) ብዛዕባ ዘጋጥሙ ነገር ርግጸኛ ኮይኑ ስለ ዝዛረብ። ት/ኢሳ 7፥14 ወ/ማቴ 1፥23-24። • ንዝሰምዕዎ ሰባት ስለ ዝባርኽን (ራእ 1፥3) ዘጸናንዕን ዝመክርን ዝግስጽን 2ይ ጢሞ 3፥15-16፣ ራእይ 3፥15-19። • ዘመን ዘይስዕሮ ብምዃኑ ። ወ/ማቴ 35፥24 ፣ 1ይ ጴጥ 1፥25።

  6. 4.ኣከፋፍልላ መጽሓፍ ቅዱስ • መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ኽፍልታት ይኽፈል ንሳቶም ከኣ • ብሉይ ኪዳን • ሓዱሽ ኪዳን ተባሂሎም ይጽውዑ። 1. ብሉይ ኪዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳሞት ዘመን እግዚኣብሄር ንሕዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሚስጢር ፤ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን እንታይ እንታይ ከም ዝኾነ ዝገልጽልና መጽሓፍ እዩ። ብሉይ ኪዳን ኣብ ኣርባዕተ ክፍልታት ይኽፈል ንሳቶም ከኣ፡- ሀ. ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ ሐ. ናይ ትምህርቲ (ጥበብ) መጻሕፍቲ ለ. ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ መ. ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ

  7. ሀ. ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ The book of the law ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ ዝባሃሉ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳብ ኦሪት ዘዳግም ዘለዉ መጻሕፍቲ ክኾኑ ከልዉ ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ መበሊኦም ድማ ዳርጋ ዝበዘሐ ክፋሎም ብዛዕባ ሕጊ ስለ ዝምህሩ እዩ። እዞም ሓሙሽተ ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ “ ናይ ሙሴ መጻሕፍቲ” ብምባል ድማ ይፍለጡ እዮም ፣ እዚ ድማ ሙሴ ብ1500 ኣ.ኣ ኣብ እንባ ሲና ስለ ዝጻሓፎም እዩ። ብዝሖም ሓሙሽተ (5) ኮይኑ ንሳቶም ከኣ፡-

  8. 1.ዘፍጥረት (Genesis) • ዘፍጥረት፤ ዝብል ቃል ካብ ዘፍጥረት ም 1 ቁ 1 ዝተወሰደ ኮይኑ ቱርጉሙ ድማ ናይ ፍጥረታት መጀመርያ ማለት እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ፍጥረትን ብዛዕባ እቲ መፈጸምታ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ ሰብን ነንብብ። እግዚኣብሄር ንሰብ ብመልክዑን ከም ምስሉን ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ንሰብ ምሉእ ሓርነት ኪህልዎ ኸም ዝደለየን ብሓርነቱ ኺጥቀም ከኣ ትእዛዝ ከም ዝሃቦን ተጻሒፉ ንረክብ (ዘፍ.1-2)። ሰብ ግና ብሓርነቱ ተጠቒሙ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኬፍርስ ሓረየ። እዚ ስለ ዝገበረ ኸኣ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ኣተወ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ከኣ ሞት ወረደ (ዘፍ.3)። ሓጢኣት ኣብ ዓለም ስለ እተዘርግሐ፡ ወዲ ኣዳም ቀታል ነፍሲ ኾነ፡ ብዘበን ኖህ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ በዝሔ (ዘፍ.4፡1-6፤ 5)፡ እግዚኣብሄር ከኣ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ኣዝነበ እሞ ብጀካ ኖህን ደቁን ንኹሉ ፍጥረት ደምሰሰ (ዘፍ.6፡6-9፡29)። ደቂ ኖህ ግና ካብቶም ቀዳሞት ሰባት ስለ ዘይሓሹ፡ ንእግዚኣብሄር በደሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንኡ ዚኸውን ፍሉይ ወለዶ ስለ ዝደለየ ንኣብርሃም ጸውዔ (ዘፍ.10-12)። ካብ ምዕራፍ 12 ክሳዕ 13 ዛንታ ኣብርሃም ንረክብ። ቀጺልና ኸኣ ብዛዕባ ደቁ፤ ብዛዕባ እስማኤልን ብዛዕባ ይስሃቅን፡ ብዛዕባ ደቂ ይስሃቅን፡ ብዛዕባ ኤሳውን ብዛዕባ እቲ ኣቦ እቶም 12 ነገድ እስራኤል ዝኾነ ያእቆብን ነንብብ (ዘፍ.24-36)። ኣብ መወዳእታ ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሰብ፡ ብዛዕባ ዮሴፍ ከነንብብ ከሎና፡ ኣሕዋቱ ደቂ ያእቆብ፡ ብምኽንያት ጥሜት እኽሊ ኺሽምቱ ናብታ ዮሴፍ ዝነበራ ሃገር ግብጽ ከም ዝኸዱ ንግንዘብ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እታ መጽሓፍ ከኣ፡ እቶም ሕሩያት ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ሃገር ባዕዲ ተቐሚጦም ንረክብ፡ ብዛዕባ ሞት ዮሴፍውን ነንብብ (ዘፍ.35-50)። እምበኣርስከ እቲ ብምስሊ እግዚኣብሄርን መልክዑን ተፈጢሩ ቀደም ንዘልኣለምነት እተመደበ ሰብ፡ ሕጂ መዋቲ ኸም ዝኾነ ንርዳእ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነዚ ሰብ እዚ ዚኸውን መድሓኒ ኣድላዪ ኾነ።

  9. ዘጽኣት {Exodus} • ዘጽኣት፤ ናይ ግእዝ ቃል እዩ፣ ትርጉሙ ድማ “ምውጻእ” ማለት እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እቶም ፍሉያት ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ህዝቢ እስራኤል፡ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኸም ዝውጹን ናብ ከነኣን ድማ ኸም እተጓዕዙን ነንብብ። ዮሴፍ ይመውት ዘበናት ከኣ ዚሓልፍ፡ ካልእ ንጉስ ድማ ይነግስ። እቶም ብምኽንያት ጥሜት ናብ ግብጺ ዝወረዱ ደቂ ይእቆብ ቁጽሮም እናበዝሔ ይኸይድ፡ ግብጻውያን ከኣ ይንዕቅዎም፡ ይፈርህዎም። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ፈርኦን፡ ቁጽሪ ደቂ እስራኤል ኪጎድል ይግባእ ብዚብል ዕላማ፡ ሕጻናት እስራኤል ከም ዚቕተሉን እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ከቢድ ዕዮ ኸም ዚቑረኑን ይገብር።በዚ ጊዜ እዚ ሙሴ ይውለድ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብኢድ ሙሴ ገይሩ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ምስሪ ንምውጻእ ይምድብ (ዘጸ.2-4)። ፈርኦን፡ እስራኤል ኣይፍኑንብዝበለሉ መጠን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጺ በብዓይነቱ መቕጻዕቲ የውርድ። በቲ ኣብ መወዳእታ ዝወረደ ምቕጻዕቲ፡ በኹሪ ግብጺ ዘበለ ይቕተል፡ ፈርኦን ከኣ ንእስራኤላውያን ይፍንዎም (ዘጸ.5-12)። እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ይወጹ እሞ፡ ባሕሪ ኤርትራ ተሳጊሮም ናብ ከረን ሲና ይበጽሑ። ኣብኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ነቲ ብሉይእተባህለ ኪዳን ይህቦም (ዘጸ.13-14)። እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ምእንቲ ኺራኸብ፡ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኺነብር፡ ማሕደር ዚኸውን መቕደስ ኪሰርሓሉን ኣብቲ ማሕደር ከኣ ብክህነት ኬገልግሉ ኣሮንን ደቁን ኪምደቡን፡ ናይ ክብሪ ልብሲ ኸኣ ኬዳልውሎምን ይእዝዝ (ዘጸ.25-31)። ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ኪዛረብ ኣብቲ ኸረን ይድንጕ፡ ህዝቢ እስራኤል ትዕግስቶም ይውዳእ እሞ ንኣሮን ገዲዶም ምስሊ ምራኽ ወርቂ ኸም ዚሰርሓሎም ይገብርዎ። ሙሴ ኸኣ ነተን ክልተ ናይ ምስክር ጽላት ሒዙ ኻብቲ ኸረን ኪወርድ ከሎ፡ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ስለ እተረድኤ ነተን ጽላት ሰንድዩ ይሰብረን። እግዚኣብሄር ከኣ፤ነዚ ህዝቢ ክውድኦ ሕደገኒክሳዕ ዚብል ይኹሪ። ሙሴ ግና ናብ ኣምላኽ ስለ ዝለመነ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይርሕርሓሎም እሞ ንሙሴ ኻልኣይ ጊዜ ናብቲ ኸረን ይጽውዖ። ሙሴ ናብቲ ኸረን ምስ ደየበ ኸኣ፡ ነቲ ኺዳኑ ኻልኣይ ጊዜ ይጽሕፈሉ (ዘጸ.32፡-34)። ኣብተን ዚስዕባ ምዕራፋት ከኣ፡ ከምቲ ኣብቲ ኸረን ንሙሴ እተገልጸሉ፡ እቲ ማሕደር ከመይ ኢሉ ከም እተሰርሔ ነንብብ (ዘጸ.35-40)።

  10. ዘሌዋውያን {Leviticus} • ዘሌዋውያን፤ ሌዋውያን ሓደ ኻብቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዮም። ካህናት ብ.ኪ. ሌዋውያን ስለ ዝነበሩ፡ ኣብታ ኦሪት ዘለዋውያን እትብሃል መጽሓፍ ብዛዕባ ክህነት ሌዋውያን ኣስፊሕና ነንብብ (እብ.7፡11)። እግዚኣብሄር ቅዱስ ስለ ዝኾነን ህዝቢ እስራኤል ከኣ ንእኡ እተፈልዩ ቅዱሳት ህዝቢ ኪኾኑ ስለ እተመነየን፡ ካብ ሓጢኣቶም ዜተዓርቕዎምን ናብኡ ዜቕርብዎምን ካህናት ምእንቲ ኪኾኑ ኢሉ ንነገድ ሌዊ መረጸ። ካብኦም ከኣ ኣሮንን ደቁን ካህናት ኪኾኑ ፈለየ። እቶም ካብ ቤት ኣሮን ዘይኮኑ ኻልኦት ሌዋውያን ከኣ ኣገልገልቲ ማሕደር ኣምላኽ ኪኾኑ ተሾሙ (ዘሌ.11፡44-45። ዘሁ.1፡47-50፤ 3፡1-10፤ 18፡1-7)። ትእዛዝ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና ምስ ተዛረበ ተዋህባ። እተን ናይ መጀመርታ ትእዛዛት ከኣ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር ባህ ኬብል ምስ ዚደሊ ከመይ ዝበለ መባእ ኬቕርብ ከም ዘለዎን ከመይ ገይሩ ኸም ዜቕርቦን ይገልጻ (ዘሌ.1-3)። ድሕሪኡ ኸኣ እቲ ሓጢኣተኛ ካብ እግዚኣብሄር ተፈልዩ ኸይተርፍ፡ እቲ ካህን ደም ብምፍሳስ ከመይ ገይሩ ኻብ ሓጢኣቱ ምስ እግዚኣብሄር ከም ዜተዓርቖ እሞ ምስ ኣምላኽ ከም ዜራኽቦ ነንብብ (ዘሌ.4-7)። ካብ ምዕራፍ 8 ክሳዕ 10 ኸኣ ሕጊ ምቕዳስ ክህነት ዚዝርዝር ምዕራፋት ንረክብ፡ ቀጺሉ ኸኣ ህዝቢ እግዚኣብሄር ብምግቡን ኣካላቱን ልብሱን ቤቱን ንጹህ ኪኸውን ከም ዚግብኦ ዚገልጽ ምዕራፋት ንርኢ (ዘሌ.11-15)። ኣብ ምዕራፍ 16 ሕጊ ናይታ ዓባይ መዓልቲ ዕርቂ ተዋሂቡ ይርከብ፡ እዚ ሕጊ እዚ ኸኣ ኣብ እብ.9 ተግሊጹ ኣሎ። ኣብ ምዕራፍ 17 ሰብ ደም ዘይበልዓሉ ምኽንያት ንረክብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ህዝብታት እግዚኣብሄር ካብ ካልኦት ህዝብታት ፍሉያት ኪኾኑ ዚግባእ ስለዝኾነ፡ ፍሉይ ትእዛዛት ይውሃቦም (ዘሌ.18፡25)። ኣብተን ናይ መወዳእታ ምዕራፋት ከኣ ኣምላኽ ንህዝቡ፤ እንተ ዘይሰማዕኩምኒእናበለ፡ ነተን እተዋህብኦም ትእዛዛት ኩለን ኪእዘዙ የጠንቅቖም (ዘሌ.26-27)።

  11. ዘሁልቍ {Numbers} • ዘሁልቍ፤ ናይ ግእዝ ቃል ኮይኑ ፣ ትርጉሙ ድማ “ምቑጻር” ማለት እዩ።እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኦሪት ዘሁልቍ እተባህለትሉ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ቁጽሪ ደቂ እስራኤል እትዝርዝር መጽሓፍ ስለ ዝኾነት እያ። ምቑጻር ደቂ እስራኤል ካብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ዝነበሩሉ ጊዜ ኸም ዝጀመረ ንዝክር (ዘሁ.1፡5)። ኣብተን ማእከሎት ምዕራፋት ናይዛ መጽሓፍ ጉዕዞ እስራኤል ናብ ከረን ሲና ክሳዕ ርባ ዮርዳኖስ ነንብብ (ዘሁ.6፡25)። ደቂ እስራኤል ኣብ ፍርቂ መገዲ ማለት ኣብ ቃዴስ ምስ ሰፈሩ፡ ብኣምላኽ ስለ ዘይኣመኑን ስለ ዘይተኣዘዝዎን፡ እቲ ወለዶ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ጸነተ፡ ስለዚ እቶም ደቆም ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ኣብቲ ጥቓ ርባ ዮርዳኖስ ዚርከብ ሃገር ሞኣብ ምስ በጽሑ፡ እቲ ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ከም እተቖጽረ ንርኢ (ዘሁ.26)። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሞት ሙሴን ብዛዕባ ምትካእ እያሱን ብዛዕባ ሞት ኣሮንን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገር ርስቶም ምስ ኣተው ዘብዕልዎ በዓላትን፡ ብዛዕባ ዶብ እታ ሃገርን፡ ኣብዛ ምጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ንረኽቦ (ዘሁ.27-36)።

  12. ዘዳግም {Deuteronomy} • ዘዳግም፤ እተባህለትሉ ምኽንያት፡ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ዶብ ሃገር ከንኣን ምስ በጽሑ ሙሴ ነቲ ኦሪት ደጊሙ ስለ ዘፍለጦም እዩ። ህዝቢ እስራኤል ገና ኣብ ከረን ሲና ኸለው፡ ነቲ ኦሪት ሓደ ጊዜ ሰሚዖምዎ ኸም ዝነበሩ ንዝክር (ዘጸኣት፡ ዘሌዋውያን)። እዚ ኸኣ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ዝኾነ ነገር ነበረ። እቶም በዚ ግዜ እዚ ነቲ ኦሪት ዘዳግም ዝሰምዕዎ ግና እያሱን ካሌብን እቶም ዕድሚኦም ካብ ዕስራ ዓመት ንታሕቲ ዝነበሩን ጥራይ እዮም። እቶም ቀዳሞት ወለዶም ኣብ ምድረ በዳ መይቶም እዮም፡ ስለዚ እቶም ኣብ ዶብ ከነኣን ዝበጽሑ ህዝቢ፡ ነቲ ኦሪት ዘይሰምዑ ሓድሽ ወለዶ ኸም ዝነበሩ ንዝክር። እምበኣርከስ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኸለው፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብታ ሃገር ርስቶም ቅድሚ ምእታዎም፡ ሙሴ ኣብ ከረን ኔቦ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነቲ ኦሪት ደጊሙ ይነግሮም። ስለዚ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እንረኽቦ ነገር እዚ እዩ (ዘዳ.1፡3-5፤ 6፡1-2፤ 32፡48-49)። • ሙሴ ደጋጊሙ ኸምዚ እናበለ ይመኽሮም፤ ናብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ሃገር ኣቲኹም ምእንትñ ኺትወርስዋ፡ ነዚ ኣነ ዝነግረኩም ዘለኹ ሕግታት ስምዑን ሓልውን፡ቀዲሉ ኸኣሎሚ ህይወትን ሞትን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣለኹ፡ ስለዚ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ህይወት ሕረዩ፡ብዚብል ቃል የተባብዖም (ዘዳ.30፡11-20)። ኣብ ምዕራፍ 31 ከኣ ሙሴ ብዛዕባ ሞቱ ኸም እተዛረበን፡ መተካእታኡ ንእያሱ ኸም ዝሾመን፡ ነዚ ሕጊዚ ኸም ዝጸሓፈን፡ ነቶም ካህናት ከኣ ነዚ መጽሓፍ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኬንብርዎ ኸም ዝኣዘዞምን ነንብብ።

  13. ለ.ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ዝባሃሉ ካብ መጽሓፍ እያሱ ክሳብ መጽሓፈ ኣስቴር ክኾኑ ከለዉ፣ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ መበሊኦ ድማ ዝበዝሕ ክፋሎም ታሪኽ ዝሓዘ ስለ ዝኾነ አዩ። 1. መጽሓፍ እያሱ 2. መጽሓፍ መሳፍንት 3. መጽሓፈ ሩት 4. 1ይ ሳሙኤል 5. 2ይ ሳሙኤል 6. 1ይ ነገስት 7. 2ይ ነገስት 8. 1ይ ዜና መዋእል 9. 2ይ ዜና መዋእል 10. መጽሓፈ እዝራ 11. መጽሓፈ ነህምያ 12. መጽሓፈ ኣስቴር።

  14. መጽሓፈ እያሱ • ኢያሱ፤ ማለት “እግዚኣብሄር መድሓኒት” ማለት እዩ። ድሕሪ ሞት ሙሴ መራሒ እስራኤል ኮይኑ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እያሱተጻሒፉ ዘሎ፡ ነቲ ህዝቢ ርባ ዮርዳኖስ ኣሳጊሩ ነታ ሃገር ተስፋ ዘውረሶም መራሒ። ኣቦሓጎኡ ኤሊሻማዕ ዋና ነገድ ኤፍሬም ነበረ (1ዜና.7፡26-27፡ ዘሁ.1፡4-10)። እያሱ መንእሰይ ከሎ ኻብ ምስሪ ወጸ፡ ሙሴ ኸኣ ምስ ኣማሌቅ ኪዋጋእ ኣዘዞ፡ ንሱ ኸኣ ሰዓሮም (ዘጸ.17፡8-13)። ጊልያ ሙሴ ነበረ (ዘጸ.24፡13፤ 32፡17፤ 33፡11። ዘሁ.11፡28)። እያሱ ሓደ ኻብቶም ምድሪ ከነኣን ኪስልዩ ካብ ቃዴስ እተላእኩ ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ ነበረ። ንሱን ካሌብን ብእምነት ንኺድ ስለ ዝበሉ፡ ናብ ከነኣን ከም ዚኣትው ተስፋ ተዋህቦም (ዘሁ.13-14)። ኣብ ዘሁ.13፡8 ሆሽዓዚብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ። ድሕሪ ሙሴ ኸኣ መራሒ ኪኸውን ተሓርየ (ዘሁ.27፡15-23። ዘዳ.3፡28፤ 31፡23)። • እግዚኣብሄር ብቓልን ብራእይን ከም ዘተባብዖ ነንብብ (እያ.1፡1-9፤ 5፡13-15)። ህዝቢ እስራኤል ብመሪሕነት እያሱ ርባ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ያሪኮ ሓዙ፡ ጊልጋል ከኣ እታ ቐንዲ ቦታኦም ኮነት። ካብኣ ተበጊሶም እናወረሩ ኸኣ ንነገስታት ከነኣን ሰዓሩ። እግዚኣብሄር ከኣ መዓልቲ ብምንዋሕን በረድ ብምውራድን ሓገዞም (እያ.10፡11-14)። ደቂ እስራኤል ንከነኣን ምስ ሓዝዋ፡ እያሱ ነቶም ነገዳት እስራኤል መመሬቶም መቐሎም። ጊዜ ሞቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኣኪቡ ኩሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሎም ኣዘኻኸሮም። ምስቲ ህዝቢ ኪዳን ኣተወ እሞ ንምልክት ኪኸውን ኣብ ሴኬም ሓደ ዓቢ እምኒ ኣቖመ (እያ.24፡25-28)። እያሱ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኮነ ሞተ፡ ኣብ መሬት ርስቱ ኣብ ሃገር ኤፍሬም ከኣ ተቐብረ (እያ.24፡29-31

  15. መጽሓፈ መሳፍንት • መሳፍንት፤ ኣብ ዘበን ብ.ኪ. ኣብ እስራኤል ነገስታት ከይነገሱ ኸለው፡ ሓደ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ዘይኮነ፡ ነታ ሃገር ካብ ወራር ዜድሕን ጅግና፡ {መስፍን}ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ደቂ እስራኤል ኣብ ሃገር ርስቶም ምስ ኣተው፡ ድሕሪ ሞት እያሱ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም ኣማልኽቲ ካልኦት ህዝብታት ብምምላኽ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ተቖጥዖም። ስለዚ ናብኡ ምእንቲ ኺመልሶም፡ ናብ ዚማርኽዎም ጸላእቲ ኣሕሊፉ ይህቦም ነበረ። ደቂ እስራኤል ከኣ ጸላኢ ብዝመጾም መጠን፡ እናተጨነቑን እናተጣዕሱን ናብ እግዚኣብሄር ይምህለሉን ይልምኑን ነበሩ። በዚ እዋን እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺምሕሮም ሓደ መስፍን ኣተንሲኡ ካብ ኢድ እቶም ዚማርኽዎም የድሕኖም ነበረ (ምሳ.2፡11-19፤ 3፡9፥ 15)። • እቶም ኣብ እስራኤል ዝተንስኡ መሳፍንቲ 13 እዮም። ንሳቶም ከኣ ካብ ሞት እያሱ ጀሚሮም ክሳዕ ንግስነት ሳኦል ን300 ዓመት ዚኸውን ነታ ሃገር ሓለው። እቶም መሳፍንቲ እዞም ዚስዕቡ እዮም፤ ዖትኒኤል{መሳ.3፡7-11}፡ ኤሁድ ወዲ ጌራ እቲ ዓኼላይ {መሳ.3፡12-30}፡ ሻምጋር ወዲ ዓናት {መሳ.3፡31}፡ ዴቦራ እታ ነብዪትን ባራቕን{መሳ.4፡1-5፡31}፡ ጊደዎን{መሳ.6፡1-8፡35}፡ ኣቢሜሌክ{መሳ.9፡1-57}፡ ቶላ{መሳ.10፡1-2}፡ ያኢር{መሳ.10፡3-5}፡ ዮፍታሔ{መሳ.10፡6-12፡7}፡ ኢብጻን{መሳ.12፡8-10}፡ ኤሎን{መሳ.12፡11-12}፡ ዓብዶን{መሳ.12፡13-15}፡ ሳምሶን{መሳ.13፡1-16፡31}።

  16. መጽሓፈ ሩት • ሩት፤ ማለት “መልክዕ” ወይ እውን “ምልክዕቲ” ማለት እዩ። ብዘበን መሳፍንቲ ማሕሎን ወዲ ናእሚ ኣእትይዋ ዝነበረ ሞኣባዊት እያ። ናእምን ብዓል ቤታን ብምኽንያት ጥሜት ምስ ደቆም ካብ ሃገር ኤፍሬም ተላዒሎም ናብ ሃገር ሞኣብ ተሰዱ። ወዶም ማሕሎን ከኣ፡ ሩት እተባህለት ሞኣባዊት ኣእተወ። ናእሚ ድማ ሰብኣያን ደቃን ምስ ሞቱ ናብ ሃገራ ንምምላስ ሓሰበት፡ ሩት ግና ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነት ምስ ናእሚ ሓማታ ንምኻድ መደበት። ሩት ንናእሚ እናኣገልገለት ከላ፡ ቦኣዝ ብዓል ቤተ-ልሄም ንምእታው በቕዔት። ምስ ተኣታተው እዮቤድ ወለዱ፡ እዮቤድ ከኣ ኣቦ እሴይ ኮነ። እቲ ዛንታ ብሰፊሑ ኣብ መጽሓፍ ሩት ተጻሒፉ ኣሎ። • እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ነታ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ሩት ብምኽንያት እምነታ ኸም እተቐበላን (ሩት.1፡16-17)፡ ዓባዩ ንንጉስ ዳዊት ክትከውን ከኣ ከም ዘብቅዓን ትዝርዝር (ሩት.4፡13-17። ማቴ.1፡5)።

  17. 1ይን ፤ 2ይን ሳሙኤል • ሳሙኤል ፤ ማለት ስም እግዚኣብሄር ወይ ከኣ ኣምላኻዊ ስም ማለት እዩ። ሳሙኤል መወዳእታ ካብ እቶም መሳፍንቲ እዩ። ሳሙኤል ንሳኦልን ዳዊትን ቀቢኡ ዘንገሰ ነብይ እዩ {ግብ 3፥24 ፤ 13፥20}። ብጸሎት ምስ ሙሴ ከም እተቆጽረ ንርኢ {ኤር 15፥1}። • ሳሙኤል ብዓል ኤፍሬም እዩ፡ ኣቦኡ ኤልቃና ይብሃል፡ ኣዲኡ ኸኣ እታ መኻን ዝነበረት ሃና እያ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ከምቲ ዝሃበቶ መብጽዓ፡ ጡብ ምስ ሓደገ ንእግዚኣብሄር ወፈየቶ፡ ኤሊ ድማ ኣዕበዮ (1ሳሙ.1)። ደቂ ኤሊ ግና ባዕለጌታት ነበሩ። ሳሙኤል ኣብ ቅድሚ ኤሊ ኼገልግል ከሎ እግዚኣብሄር ተገልጸሉ (1ሳሙ.2-3)። ኤሊ ምስ ሞተ፡ ሳሙኤል ናይ እስራኤል ፈራድን ካህንን ኮነ (1ሳሙ.7፡15-17)። ደቂ ሳሙኤል ከም ኣቦኦም ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዘይተመላለሱ፡ እቲ ህዝቢ ንጉስ ደለየ፡ ሳሙኤል ከኣ ንሳኦል ቀብኤ (1ሳሙ.8፡10)። ሳኦል ቃል እግዚኣብሄር ምስ ነዓቐ ኸኣ፡ ሳሙኤል ንዳዊት ቀብኤ (1ሳሙ.13፡14፤ 15፡23፤ 16፡1-13)። ሳሙኤል ንዳዊት ኣብቲ ናይ ስደቱ ግዜ የጸናንዖ ኸም ዝነበረ ንርኢ (1ሳሙ.19፡18-24)። ሳሙኤል ምስ ሞተ ኣብ ቤቱ ኣብ ራማ ተቐብረ (1ሳሙ.25፡1)። ድሕሪ ሞቱ ኸኣ ብሓንቲ መናፍስቲ እትጥይቕ ሰበይቲ ንሳኦል ተገልጸ (1ሳሙ.28፡11-19)።እዘን መጽሓፍቲ እዚኤን ዋና ትሕዝቶኤን ብዛዕባ ሳሙኤል ስለ ዝኾነ፡ ብስሙ ይስመያ ኣለዋ።

  18. 1ይን ፣ 2ይን ነገስት • እቲ ኽልተ መጽሓፍ ነገስት፤ ቀዳማይ ነገስት፡ ካልኣይ ነገስት ተባሂሉ ይስመ። እዚ መጽሓፍቲ እዚ ካብ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ መንግስቲ ይሁዳ፡ ናይ ክልቲኤን፡ ማለት ናይ መንግስቲ ይሁዳን መንግስቲ እስራኤልን ዛንታ ነገስታት የዘንቱ። እዚ ናይ 400 ዓመታት ዛንታ እዩ። ዳዊትን ሰሎሞንን ነቶም 12 ነገዳት ብምሉኣቶም ኪገዝእዎም ምስ ጸንሑ፡ ብዘበን ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን እታ መንግስቲ ስለ እተመቕለት፡ ዓሰርተ ኻብቶም ነገዳት ግዝኣት የሮብዓም እቲ ጸላኢ ሰሎሞን ኮኑ፡ እስራኤል ከኣ ተባህሉ። ክልተ ነገዳት ከኣ ግዝኣት ሮብዓም ኮኑ፡ ይሁዳ ኸኣ ተባህሉ (1ነገ.11፡28-33፤ 12፡16-20)። ብመሪሕነት የሮብዓም ህዝቢ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ንእግዚኣብሄር በደልዎ እሞ ካልኦት ኣማልኽቲ ኬምልኹ ጀመሩ። ስለዚ ኣብ መንጎ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ነገስታት ብዙሓት ኣይነበሩን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እግዚኣብሄር ንኣሶራውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘተንስኦም። እታ ርእሲኸተማ እስራኤል ዝነበረት ከተማ ሰማርያ ብ 722 ቅ.ል.ክ. ብኢድ ኣሶራውያን ዓነወት፡ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ተማሪኾም ናብ ኣሶር ተወስዱ (2ነገ.24፡3-4፥10-15)። • ኣብታ ደቡባዊት መንግስቲ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ፡ ከተማ ኢየሩሳሌምን ቤት መቕደስን ነበራ። እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ነበሩ። ኣብ ይሁዳ ሕያዎት ነገስታት ነገሱ፡ ደሓር ግና ምናሴ ዚብሃል ንጉስ ብዙሕ ስለ ዝበደለ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንኣሶራውያን ዘልዓለ፡ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከኣ ነቡካድነጻር እተባህለ ንጉስ ባቢሎን ኣልዓለ እሞ ኢየሩሳሌም ብ 586 ቅ.ል.ክ. ብኢድ ሰብ ባቢሎን (ከሌዳውያን) ዓነወት፡ ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ (2ነገ.24፡3፥4፥10-15)። ይቕጽል………

  19. 1ይን ፣ 2ይን ነገስት…መቐጸልታ • መብዛሕትኦም ነብያት ብዘበን ነገስታት እዮም ዝተንስኡ። እቶም ነገስታትን ህዝቦምን ኪብድሉ ኸለው፤ ተመለሱ፡ እንተ ዘይተመለስኩም እግዚኣብሄር ኪፈርደኩም እዩ፡ኢሎም ከጠንቅቕዎም እግዚኣብሄር ነብያት ይልእከሎም ከም ዝነበረ ነንብብ (2ዜና.36፡15-16። ኤር.25፡1-11)። ኤልያስን ኤልሳእን ኢሳይያስን ሚክያስን ሆሴእን ኣሞጽን ጼፎንያስን ኤርምያስን ብዘበን ነገስታት ዝተንስኡ ነብያት እዮም (ኢሳ.1፡1)። • እቲ ምሉእ ዛንታ ነገስታት ቅድም ኣብ ሓደ መጽሓፍ ተጻሒፉ ነበረ፡ እቶም ሰብዓ ሊቃውንቲ ናብ ግሪኽ ምስ ተርጎምዎ ግና ነቲ መጽሓፍ ኣብ ክልተ ኸፈልዎ። እቲ መጽሓፍ ድሕሪ ሞት ንጉስ ዮያኪን ስለ እተጻሕፈ፡ በቲ ዘበን ስደት ኣብ ባቢሎን እተጻሕፈ ይመስል። ጸሓፊኡ ግና መን ከም ዝኾነ ኣይተፈልጠን (2ነገ.25፡29-30)። እቲ ጸሓፊ ነቲ ዛንታ ኺጽሕፍ ዘሎ፡ ካብ ካልእ ዛንታ ቐዲሑ ከም ዝጸሓፈ ተፈሊጡ ኣሎ (1ነገ.11፡41፤ 14፡19-29)።

  20. 1ይን ፣ 2ይን ዜና መዋእል • ዜና መዋእል ማለት “ናይ ዕለታት ዜና” ማለት እዩ። እተን ክልተ ናይ ዜና መዋእል መጽሓፍቲ ከምተን ክልተ መጽሓፍ ነገስት፡ ቀደም ዘበን ሓንቲ መጽሓፍ ነበራ።. ብ 150 ቅ.ል.ክ ግና እቶም 70 ሊቃውንቲ ነታ መጽሓፍ ኪትርጉምዋ ኸለው፡ ኣብ ክልተ ኽፍሊ ኸፈልዋ። እዘን ክልተ ናይ ዜና መዋእል መጽሓፍቲ ብብዙሕ መገዲ ነተን ክልተ መጽሓፍቲ ነገስት ይመስላ እየን። ኣብ ዜና መዋእል ዕለታዊ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ይዝንቶ። እቲ ንዜና መዋእል ዝጸሓፈ ሰብ፡ መጽሓፉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ብመንፈሳዊ መገዲ፡ በቲ ሃይማኖት ዚትንኪ ኣረኣእያ እዩ ዝጸሓፋ። ኣብቲ ጽሑፉ ብዛዕባ ቤት መቕደስን ብዛዕባ ኻህናትን ገሊጹ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ንይሁዳ ዘይትንክï ጉዳያት እስራኤል ብዙሕ ኺጠቕሶ ኣይንርእን። እቲ ጸሓፋይ ብተርታ ወለዶ ጀሚሩ (1ዜና.1-9) ብዛዕባ ሞት ሳኦል ኣዘንትዩ ናብ ዳዊት ይበጽሕ (1ዜና.10)። ካብኡ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብ 1ዜና መዋእል ዛንታ ዳዊት ይዝርዝር። ካብኡ ኸኣ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ከተማኡ ኸም ዘምጽኦን (1ዜና.13-16)፡ ቤት ኣምላኽ ንምስራሕ ከም ዝሓሰበን ዜድሊ ኸም ዘዳለወን (1ዜና.22)፡ ሌዋውያን ቆጺሩ ናብ ዕይኦም ከም ዝመደቦምን (1ዜና.23-26)፡ ምስ ኣረገ ኸኣ ንወዱ ሰሎምን ምስሊ እታ እትህነጽ ቤት መቕደስ ሕድሪ ኸም ዝሃቦን ተር ኣቢሉ የዘንቱ (1ዜና.28-29)። ይቕጽል……………..

  21. 1ይን ፤ 2ይን ዜና መዋእል….መቐጸልታ • ኣብታ ኻልአይቲ መጽሓፍ ከኣ ብዛዕባ ሰሎሞን ነንብብ። ሰሎሞን ቤት ኣምላኽ ከም ዝሰርሔን፡ ብጸሎት ከም ዝቐደሳን፡ ከምኡ ኸኣ ብዛዕባ ግርማ ሰሎሞንን ምብጻሕ ንግስቲ ሳባን ነንብብ (2ዜና.1-9)። ኣብተን ዚስዕባ ምዕራፋት ክሳዕ መወዳእታ ድማ፡ ካብ ሮብዓም ክሳዕ ምርኮ ህዝቢ ይሁዳ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ሃገሮም ምእንቲ ኺምለሱ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣዋጅ ክሳዕ ዚእውጅ ንዝነበሩ ነገስታት ይሁዳ፡ ተር ኣቢሉ ዛንታ ነፍስ ወከፎም የዘንቱ (2ዜና.10-36)። • ብዙሓት መምህራን መ.ቅ.፡ እቲ መጽሓፍቲ ዜና መዋእል ዝጸሓፈ እዝራ እዩ ይብሉ። እዚ ኸኣ ሓቂ ኸይኮነ ኣይተርፍን እዩ። እዚ ኪኸውን ከሎ ግና፡ ኣብተን መጽሓፍቲ፡ ድሕሪ እዝራ ዝነበረ ወለዶውን ይዝርዝር ስለ ዝኾነ ካልእ ሰብውን ወሲኹለን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዜና መዋእል እተጻሕፈሉ ዘበን 400 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ እዩ። ጸሓፊ ዜና መዋእል ብኻልእ ዛንታ ነገስታት ዝሓዘ ጽሑፍ ከም እተጠቕመ ፍሉጥ እዩ (2ዜና.9፡29፤ 12፡15፤ 20፡34፤ 32፡32)።

  22. መጽሓፈ እዝራ • እዝራ፤ ማለት {ረድኤት} ማለት እዩ። እዝራ ካህንን ፣ ጸሓፍን እዩ ነይሩ። ታሪኽ እዝራ ኣብ መጽሓፍ እዝራ ተጻሒፉ ይርከብ። እዝራ ኣብ ማእከል ምርኮኛታት ባቢሎን ዓበየ። ካብ ዓሌት ኣሮን ከም እተወልደን፡ ከም ሕጊ ሙሴ ኸኣ ካህን ከም ዝነበረን፡ ብሕጊ ሙሴ ድማ ፍጡን ጸሓፊ ከም ዝኾነን ነንብብ (እዝ.7፡1-6፥11)። ኣብቲ ሳብዓይ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ማለት ብ 458 ቅ.ል.ክ.፡ ካብቲ ንጉስ ፍቓድ ወሲዱ 1800 ፍቓደኛታት ኣይሁድ ተማሊኡ ናብ የሩሳሌም ከደ (እዝ.8፡1-36)። ቅድሚ ምምጻእ እዝራ እቶም ኣብ ሃገር ኣይሁድ ዝነበሩ ካብ ምርኮ እተመለሱ ኣይሁድ ብብዙሕ መገዲ ተጨኒቖም ከም ዝነበሩ ንዝክር፡ ብቓል እግዚኣብሄር ገይሩ ዚመርሖም ሰብ ካብ ምስኣን እተላዕለ፡ ካብ መገዲ እግዚኣብሄር ኪርሕቑ ጀመሩ። እዝራ እቲ ኻህን ግና ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፡ ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ንምምሃርን ልቡ ስለ ዘዳለወ፡ እቲ ናብ የሩሳሌም ምምጽኡ፡ ቃል እግዚኣብሄር ንምምሃርን ነቲ ጌጋ እቲ ህዝቢ ንምዕራይን ጠቐመ (እዝ.7፡10። ነህ.8፡8)። ብፍላይ ከኣ ብዙሓት ሰብ ይሁዳ ሕጊ ኦሪት ኣፍሪሶም፡ ካብ ዓሌት እስራኤል ዘይኮና ኣንስቲ ስለ ዘእተው፡ እዝራ ነዞም ሰባት እዚኦም ካብተን ኣንስቲ ኺፍለዩ ምኽሪ ሃቦም (እዝ.9፡10)። በዚ ዘበን እዚ ኸኣ ህዝቢ የሩሳሌም ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ምካበብያ የሩሳሌም ንምንዳቕ ኪጽዕሩ ጀመሩ። እንተኾነ ግና ብምኽንያት ኣንጻርነት ጸላእቲ እቲ ዕዮ ኺሰልጦም ኣይከኣለን (እዝ.4፡6-23)። ብ 445 ቅ.ል.ክ. ግና እቲ ኣሰላፊ ወይኒ ንጉስ ፋርስ ዝነበረ ነህምያ፡ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነቲ መካበብያ ነደቖ፡ እዝራ ኸኣ ምስ ነህምያ ሓቢሩ ነቲ ህዝቢ ኣስፊሑ ሕጊ እግዚኣብሄር መሃሮ (ነህ.8-10)።ይቕጽል……

  23. መጽሓፍ እዝራ…..መቐጸልታ • እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ ባቢሎን ከም እተመልሱን ንቤት መቕደስ ከኣ ከም ብሓድሽ ከም ዝሰርሕዋን ተዘንቱ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ካብ 537 ቅ.ል.ክ. ጀሚራ ክሳዕ እታ እዝራ ናብ የሩሳሌም ዝመጸላ ዓመት፡ ማለት 458 ቅ.ል.ክ. ዘሎ ዛንታ ትዝርዝር። እታ ቤት መቕደስ ከኣ ብ 516 ቅ.ል.ክ. ከም እተወድኤት ይመስል። እታ መጽሓፍ ባዕሉ እዝራ ከም ዝጸሓፋ ወይ ከኣ ንድፊ እታ መጽሓፍ ከም ዘዳለወ ይግመት (እዝ.8፡1)።

  24. መጽሓፈ ነህምያ • ነህምያ ማለት “እግዚኣብሄር የድሕን’ዩ” ማለት እዩ። ነህምያ ናይ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ኣሰላፊ ሜስ ዝነበረ ኣይሁዳዊ (ነህ.1፡1፥2፥11)። ብዘበን ኣርታሕሻስታ፡ ኣብ መበል ዕስራ ዓመት መንግስቱ፡ ብ 445ቅ.ል.ክ. ኢየሩሳሌም ንምንዳቕ ፍቓድ ተቐበለ (ነህ.2፡1፥5፥6፥11)። ዑና የሩሳሌም ምስ ረኣየ ነቶም ሓላቑ እታ ኸተማ ንዕዮ ኣተባብዖም፡ ኣንጻርነት ጸላኢ ከይፈርሄ ኸኣ ብ 52 መዓልቲ ነቲ መካበብያ ኣንደቐ (ነህ.2፡12-6፡15)። ነታ ሃገር እናኣመሓደረን ነቲ ህዝቢ ብምኽሪ እናመርሔን ከኣ ክሳዕ 433 ቅ.ል.ክ. ኣብ ኢየሩሳሌም ጸንሔ(ነህ.8፡9፥ 10፡1፤ 13፡6)።ቲርሻታገዛኢ ሃገር ማለት እዩ።ድሕርዚ ነህምያ ናብ ኣርታሕሻስታ ተመልሰ፡ መሊሱ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ከደ ግና ዘይግባእ ኩነታት ምስ ረኣየ ብምግሳጽን ብሓይልን ነቲ ጉዳይ ከልከለ (ነህ.13)። ነህምያን እዝራን ብሓደ ኾይኖም ይሰርሑ ነበሩ። ነህምያ ናይ እምነት ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ከም መሰረት ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ንምጽላይን ምዕያይን ከኣለ (ነህ.1፡4-11፤ 2፡4፥20፤ 4፡14-15፤ 6፡9-11)።እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ እብራይስጥን ግእዝን ናይ መጽሓፍ እዝራ ኽፍሊ እያ። ነህምያ ባዕሉ ኸም ዝጸሓፋ ኸኣ ግሉጽ እዩ (ነህ.1፡1፥ 2፥ 4)።

  25. መጽሓፈ ኣስቴር • ኣስቴር፤ ዝብል ቃል ካብ ናይ ፋርስ ቛንቛ ዝመጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “ኮኾብ” ማለት እዩ። ካልኦት ግና ኣስቴርካብ ሓደ ኣሽታርዚብል ስም ጣኦት ባቢሎን እተወስደ ስም እዩ ይብሉ። እዛ ኣብ መ.ቅ. ተጠቒሳ ዘላ ኣስቴር፡ ናይ እብራይስጢ ስማሃዳሳዚብል እዩ ዝነበረ። ኣስቴር፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ምስ ኣእተዋ ንግስቲ ዝኾነት ኣይሁዳዊት ምርኮኛ ነበረት። እቲ ንጉስ ንሰበይቱ፡ ንንግስቲ ዋሽቲ፡ ምስ ሰደዳ፡ ነዛ ብሓልዮት ወዲ ሓወቦኣ ማርዶካይ ዝዓበየት ኣስቴር፡ ንግስቲ ኺገብራ ሓሰበ (ኢሳ.2፡5-11)፡ ስለዚ እቲ ንጉስ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ኣንገሳ (ኣስ.2፡17)። እቲ ጸላኢ ኣይሁድ ዝነበረ ሃማን፡ ኣይሁድ ኬጥፍእ ምስ ሓሰበ፡ ኣስቴር ነቲ ንጉስ ለሚና ኣድሓነቶም (ኣስ.3-8 ብፍላይ ከኣ 4፡10-5፡2)። ማርዶካይን ኣስቴርን ነቲ ክፉእ ሓሳብ ናይ ሃማን ብምልዋጥ፡ ንኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ከም ዚለዓሉ ገበርዎም፡ በብዓመቱ ኸኣ ጱሪም እተባህለ በዓል ኪብዕል ትእዛዝ ወጸ (ኣስ.8-10)። • እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ብጊዜ መንግስቲ ፋርስ ኣብ ልዕሊ ምርኮኛታት እስራኤል ዝወረደ ስደትን ምድሓኖምን እተዘንቱ መጽሓፍ እያ። እታ መጽሓፍ ድሕሪ ሞት ኣሓሽዌሮስ ማለት ብ 465 ቅ.ል.ክ. ከም እተጻሕፈት ይግመት፡ መን ከም ዝጸሓፋ ግና ኣይተፈልጠን። ዝኾነ ኾይኑ ግና እቲ ጸሓፊኣ ናይ ቤተ መንግስት ፋርስ ኣገባብ ንብረትን ስርዓትን ዚፈልጥ ኣይሁዳዊ ይመስል። ኣይሁድ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ በብዓመቱ ኣብ በዓል ጱሪም ዘንብብዋ ስለ ዝኾኑ ኣዝያ ፍልጥቲ ኾነት።መጽሓፍ ኣስቴር ብቛንቋ እብራይስጢ እያ እተጻሕፈት፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ስም እግዚኣብሄር ኣይተጠቕሰን። እዚ ኸኣ፡ ብዘበን ምርኮ፡ ብጊዜ ስደት ስለ እተጻሕፈት ከይኮነ ኣይተርፍን። እንተኾነ ግና ሽሕ እኳ ስም እግዚኣብሄር እንተ ዘይተጠቕሳ፡ እግዚኣብሄር ልዕሊ ኩሉ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ንጉስ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝነበሮ ጽቡቕ ፍቓድ ብኣስቴር ገይሩ ኸም ዝፈጸሞ ብጋህዲ ትገልጽ (ኣስ.4፡14)።

  26. ሐ. ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ጥበብ መጻሕፍቲ እዞም መጻሕፍቲ እዚኦም ብመልክዕ ግጥምን መዝሙርን ዝተጻሕፉ እዮም። ዕላምኦ ከኣ ንሰብ ብዝለምለመ መንገዲ ንምስሓብን ንምስትም ሃርን፣ ከምኡ እዉን ሰናይ ዝኾነ ባህሪ ክህልዎ ምግባር እዩ። ብተወሳኺ ብመዝሙርን ግጥምን ንእግዚኣብሄር መምስጋን ናይ ነፍሲ ወከፍ ግዴታ ምዃኑ የረድኡ። ንሳቶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡- 1. መጽሓፈ እዮብ 2. መዝሙር ዳዊት 3.ምሳሌ 4. መጽሓፈ መክብብ 5. መሃልየ መሃልይ።

  27. መጽሓፈ እዮብ • እዚ ሰብ እዚ ብዙሕ መከራ ዝወረዶ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ነበረ። ኣብ መጽሓፍ እዮብከኣ፡ ሃብታምን ክቡርን ከም ዝነበረ ይዝንተወሉ። ኩሉ ሃብቱ ብሃንደበት ይጠፍእ፡ ደቁ ኸኣ ይሞቱ። ንሱ ኸኣ ብብርቱዕ ቁስለተ-ስጋ ይውቃዕ፡ ብሰብ ድማ ይንዐቕ። እቶም ፈለጣት ኢና በሃልቲ ፈተውቱውን ከይተረፉ፤ እዚ ብስውር ስለ ዝበደልካ እዩ ዚወርደካ ዘሎ፡እናበሉ ይከራኸርዎ። ኣንባቢ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቅንዕና እዮብ ምእንቲ ኪፍተን፡ እዮብ ብሰይጣን ኪፍተን ብእግዚኣብሄር ከም እተፈቕዶ ይፈልጥ እዩ። እዮብ ግን ነዚ ኣይፈለጦን፡ ስለዚ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዜጨንቖ ዝነበረ ነገር፡ እግዚኣብሄር ከም እተላዕሎ ስለ ዝመሰሎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ እግዚኣብሄር ጥበቡን ሓይሉን ምስ ገለጸሉ፡ እዮብ ንኸምዚ ዝበለ ኣምላኽ ምእማኑ እምበር፡ መገዱ ንምስትውዓል ንሰብ ከም ዘይተዋህቦ ይርዳእ፡ ክርክሩ ኸኣ ይሓድግ። ድሕርዚ ኸኣ ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ዝበለጸ ሃብቲ ይውሃቦ፡ ብሰላምን ብኽብረትን ከኣ ነዊሕ ዕድመ ይጸንሕ። እዮብ ዝነበረሉ ዘበን መኣስ ከም ዝኾነን ኡጽ እትብሃል ሃገር ከኣ ኣበይ ከም ዝነበረትን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ዝኾነ ኮይኑ ግና ብዘበን ቀዳሞት ኣቦታት ዝኾነ ይመስል (እዮ.1፡1-5)። እዮብ ከም ኖህን ዳንኤልን ምእንቲ ኻልኦት ዚጽሊ ሰብ ከም ዝነበረ ንርኢ (ህዝ.14፡14፥20። እዮ.42፡8፥10)። • መጀመርታን መወዳእታን ክፍልታት ናይዛ መጽሓፍ እዮብ ብስዲ-ንባብ ተጻሒፉ ንረኽቦ፡ ካብ እዮ.3-41 ዘሎ ትሕዝቶኣ ግና ብግጥሚ ተጻሒፉ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ በቲ ዕምቆት ጥበባ ኣዝያ ትነኣድ፡ በቲ ናይ ስነ-ጽሑፋ ጽባቔ ኸኣ ሓንቲ ኻብተን ዝበለጻ ናይ ዓለም መጽሓፍቲ ኾይና ትቑጽር። ጸሓፊኣ ግና መን ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ዛንታ እዮብ ሽሕ እኳ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዚፍለጥ እንተ ነበረ ፡ እዛ ክሳዕ ሎሚ ዝጸንሔት መጽሓፍ እዮብ ብዘበን ሰሎሞን ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ኸም እተጻሕፈት ዚመስሎም ብዙሓት ሉቃውንቲ ኣለው።ካልኦትውን ብዘበን ኣብርሃምን ይስሃቅን እተጻሕፈት መጽሓፍ እያ ዚብሉ ኣለው። መጽሓፍ እዮብ ከም መጽሓፍ ምሳሌን ከም መጽሓፍ መክብብን ሓንቲ ካብተን መጽሓፍቲ ጥበብ ዚብሃላ እያ። ጳውሎስ ካብ እዮ.5፡13 ጠቒሱ ኣብ 1ቆረ.3፡18-20 ከም ዘመልከቶ ንርኢ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓሳብ እግዚኣብሄርን መገዱን ግሩምን ረቂቕን ስለ ዝኾነ፡ እዚ ብኣረኣእያ ጥበብ ሰብ ኪትርጎም ከም ዘይከኣል ትሕብር። ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን ስለ ዝኾነን፡ ነቶም ከም እዮብ መከራ ተዓጊሶም ዚኣምንዎ፡ ከም ዚባርኾም ተረድእ።

  28. መዝሙር ዳዊት • ዳዊት፤ ካብ ኩሎም ነገስታት እስራኤል ዝዓበየን እተፈትወን ንጉስ ነበረ። ዘበን መንግስቱ ካብ 1011-971 ቅ.ል.ክ. ኮይኑ ይግመት። ዳዊት ኣብ እስራኤል ስሙ ኣዝዩ ውሩይ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዛንታኡ ኣብ መ.ቅ. ካብ 1ሳሙ.16 ጀሚሩ ክሳዕ 1ነገ.2 ብነዊሑ ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእልውን ዛንታኡ ኣብ 1ዜና.11-29 ተጻሒፉ ኣሎ።ዳዊት ኣብ ይሁዳ ኣብ ቤት-ልሄም እተባህለት ዓዲ ተወልደ። ኣቦኡ ኸኣ እሴይ ይብሃል (1ሳሙ.16፡10-11)። ካብ ደቂ እሴይ እቲ ዝነኣሰ ስለ ዝነበረ፡ ኣባግዕ ኣቦኡ እናሓለወ ጊዜ ንእስነቱ ብጓስነት እናኣገልገለ ጸንሔ (1ሳሙ.16፡11፤ 17፡34-36)። መተካእታ ንጉስ ሳኦል ኮይኑ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ብኢድ ሳሙኤል ተቐብኤ (1ሳሙ.16፡13)። ዝፋን እስራኤል ቅድሚ ምውራሱ ግና፡ ጋሻ ዛግሬ ናይ ንጉስ ሳኦል ኮይኑ የገልግል ነበረ። ንሳኦል ባህ ኬብል ከኣ በገና ይወቕዓሉ ነበረ (1ሳሙ.16፡18-23)።ብስም እግዚኣብሄርን ሓይሉን ንሓደ ጎልያድ እተባህለ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍ እምኒ ቐተሎ (1ሳሙ.17፡45-51)። በዚ ናይ ጅግንነት ተግባሩ ኸኣ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ፈተዎ፡ እንተኾነ ግና በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንጉስ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ዳዊት ቅንኢ ስለ ዘሕደረ ኪቐትሎ ደለየ። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ንዳዊት ፈታዊኡ ስለ ዝነበረ ይሕግዞ ነበረ። ዝኾነ ኾይኑ ዳዊት ነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ሃደመ እሞ ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ኪነብር ጀመረ (1ሳሙ.20፡21)፡ ኣብ በዓቲ ኣዱላም ከኣ ተሓብኤ (1ሳሙ.22፡1)። • ኣብ በረኻ ኺነብር ከሎ 400 ዚኣኽሉ ሰባት ተኸተልዎ፡ ሓለቓ ውግእ ናይዞም ሰባት ኮይኑ ኸኣ ነቶም ጸላእቲ እስራኤል ይዋጋእ ነበረ (1ሳሙ.23)።ንጉስ ሳኦል በቲ ጊዜ ወራር ፍልስጥኤማውያን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ብገዛእ ኢዱ ምስ ሞተ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ዳዊት ኣብ ይሁዳ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ኩላ እስራኤል ከም ዝነገሰ ነንብብ (2ሳሙ.2-4፤ 5፡1-5)። ይቕጽል ……….

  29. መዝሙር ዳዊት …..መቐጸልታ • ንጉስ ዳዊት በተን ዝነገሰለን ዓመታት በብዓይነቱ ዓበይቲ ስርሓት ስለ ዝገበረ፡ ስሙ ኣዝዩ ውሩይ ኮነ፡ ተወዳዳሪዘይብሉ ንጉስ ኮነ። ቀጺልና ገለ ኻብቲ ንጉስ ዳዊት ዝፈጸሞ ዓበይቲ ተግባራት ንጠቅስ፤ ሀ) ነቶም ካብ ዘበንመሳፍንቲ ጀሚሮም ንእስራኤል ዜሸግሩ ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ሰጥ ኣበሎም (2ሳሙ.5፡18-25)። ለ) ነቶም ብወገን ደቡብን ምብራቕን ሰሜንን ኣብ ዶብ እስራኤል ዝነበሩ ህዝብታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ብምግባር፡ ወሰናስን መንግስቱ ኣብ ዙርያ ሃገሩ ብምስፋሕን ነቲ ሃገር ኣዝዩ ኣግፍሖ (2ሳሙ.8፤ 12፡26-31)። ሐ) ንይቡሳውያን ስዒሩ፡ ነታ የሩሳሌም እተባሀለት እተዓርደት ከተማ ወሪሩ ሓዛ እሞ ርእሲ ኸተማ መንግስቱ ገበራ። የሩሳሌም ከኣ ከተማ ዳዊት ተባህለት (2ሳሙ.5፡1-10)። መ) የሩሳሌም ኩሉ ህዝቢ ንመንፈሳዊ ኣኼባ ዚእከበላ ቦታ ምእንቲ ኺትከውን፡ ነቲ ታቦት ካብቲ ዝነበሮ ቦታ ኣምጺኡ ናብታ ኣብ የሩሳሌም ተተኺላ ዝነበረት ድንኳን ኣቐመጦ፡ ስርዓት እቲ መቕደስ ከኣ ኣመሓየሸ (2ሳሙ.6። 1ዜና.15፡16፤ 25)። ቤት መቕደስ ንምስራሕውን ሓሰበ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣይፈቐደሉን (1ዜና.28፡3)። ረ) ብዙሕ መዛሙር ጸሓፈ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዳዊት መዝሙር ብዚብል ኣርእስቲ ተመልኪተን ዘለዋ 73 መዛሙር እየን።**ዳዊትካብ ዕቤቱን ወሪኡን እተላዕለ እታ መንግስቱ ኣብ መ.ቅ. ምሳሌ መንግስቲ እቲ መሲህ ኮይና ትጥቀስ። እቲ መሲህውን ሓያሎ ጊዜ ብስም ዳዊት ተጠቒሱ ንረኽቦ (2ሳሙ.7፡8-17። ኢሳ.9፡7። ኤር.23፡5-6፤ 33፡14-17። ህዝ.34፡23፤ 37፡24)። ስለዚ የሱስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ወዲ ዳዊት ተባሂሉ ይጽዋዕ (ማቴ.9፡27፤ 12፡23)። ኣብቲ መጽሓፍ ወለዶውን የሱስ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ከም እተወልደ ጽሑፍ ኣሎ (ማቴ.1፡1)።እንተኾነ ግና ንጉስ ዳዊት በዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ክብ ዝበለ ነገራት ብኽብሪ ዚዝከር ንጉስ እኳ እንተኾነ፡ እንሓንሳእስ ኣብ ዜጉሂ ሓጢኣት ከም ዝወደቐውን ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ ናይ ዝሙት ሓጢኣት ወደቐ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ሰብኣያ ቐቲሉ ኣእተዋ (2ሳሙ.11-12)። ህዝቢ ብምቑጻር ንእግዚኣብሄር ኣጉሃየ (2ሳሙ.24)። ዳዊት በብዓይነቱ ሓጢኣት ኣብ ርእሱን ኣብ ህዝቡን ብዙሕ መቕጻዕቲ ኣውረደ። ኣቤሰሎም ወዱ ጠለሞ (2ሳሙ.18)፡ ሰሎሞን መንግስቲ ዳዊት ኪወርስ ተመዲቡ ኸሎ፡ ኣዶኒያ ነታ መንግስቲ ኺወርሳ ሃቀነ (1ነገ.1)። እንተኾነ ግና ዳዊት ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሄ ካብ ሓጢኣቱ ተመልሰ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ በለሉ (2ሳሙ.12፡13-14)።

  30. መጽሓፈ ምሳሌ • ሰሎሞን፤ ማለት {ሰላማዊ} ማለት እዩ። ሰሎሞን ኣብታ ሕብርቲ መንግስቲ እስራኤል ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ንጉስን ዝነበረ ወዲ ዳዊትን ወዲ ባትሴባን (2ሳሙ.12፡24) እዩ። ኣቡኡ ዳዊት ምስ ኣረገ፡ ንጉስ ኪኸውን ተቐብኤ (1ነገ.1)። ንኣብያታርን ንሺሜዕን ንኣዶንያን ንዮኣብን ሕነ ፈደዮም (1ነገ.2)፡ ጓል ፈርኦን ኣእተወ (1ነገ.3፡1)፡ ኣስተውዓሊ ልቢ ኺረክብ ለመነ፡ ብጥበቡ ኸኣ ውሩይ ኮነ (1ነገ.3፡5-28፤ 10፡1-10። 2ዜና.1፡3-12)። ብሓገዝ ሑራም ንጉስ ጢሮስ ቤት መቕደስን ቤት ንጉስን ነደቐ (1ነገ.5፡8። 2ዜና.2፡7)። ነቲ ስራሕ ህንጻ ዚዓዩ ዓየይቲ ኣከበ (1ነገ.5፡13-17፤ 9፡19-21)፡ ብንግድ ኣዝዩ ማዕበለ (1ነገ.10፡11-29)። ብዛዕባ ኣእዋምን ብዛዕባ እንስሳታትን ዓሚቕ ፍልጠት ነበሮ (1ነገ.4፡33-34)። ኣብ ዘበን መንግስቲ ሰሎሞን ብዛዕባ ስነ ጽሑፍ ዓቢ ምንቅስቓስ ተገብረ። እቶም ብዛዕባ ጥበብ ዚዛረቡ መጽሓፍቲ ኸኣ፡ ሰሎሞን ከም ዝጸሓፎም ይእመን (ምሳ.1፡1። መሃ.1፡1)። • ሰሎሞን ብዙሓት ኣንስቲ ኣእተወ፡ ንሳተን ከኣ ኣብ እስራኤል ናይ ባዕዲ ኣምልኾ ኸም ዚኣቱን ሰባት ነቲ ኣምልኮ እቲ ከም ዚስዕቡን ገበራ። በዚ ኸኣ ሰሎምን ንእግዚኣብሄር ኣጉሃየ (1ነገ.11)። ሰሎሞን ምስ ሞተ፡ እቶም ናይ ሰሜን ዓሰርተ ነገድ፡ ሮብዓም ወዱ ኸይነግስ ስለ እተቓወሙ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሰሎሞን ዝነበረ የሮብዓም መረጹ። ድሕሪ ሞት ሰሎሞን፡ ኣብ ምምቃል እታ መንግስቱ እንተ ተዓዘብና፡ ብሃብቱን ብፍልጠቱን ውሩይ እኳ እንተ ነበረ፡ ብምምሕዳሩስ ጨቋኒ ኸም ዝነበረ ንግንዘብ (1ነገ.12፡4)። እምበኣርስከ ዛንታ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ 1ነገ.1-14 ምስኡ ኸኣ ኣብ 1ዜና.22- 2ዜና.9 ተጻሒፉ ይርከብ። ናይ ሰሎሞን ክብርን ጥበብን መንግስትን ኣዝዩ ፍሉጥ እዩ ዝነበረ፡ እንተኾነ ግና ካብኡ ዚበልጽ ክርስቶስ መጸ (ማቴ.6፡29፤ 12፡42)። ይቕጽል …..

  31. መጽሓፈ ምሳሌ …..መቐጸልታ • ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብዙሓት መምህራን ብምሳሌ ገይሮም ኣብ ሃገሮም በብዓይነቱ ትምህርቲ የምህሩ ከም ዝነበሩ ኽንዝክር የድሊ። ኣብዛ መጽሓፍ ምሳሌ እትብሃል መጽሓፍ ከኣ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከመይ ገይሩ ኺነብር ከም ዚግብኦ ይምህር። ምሳሌታት፡ ንህይወት ወዲ ሰብ በብወገኑ እናተንከፉ ግቡእ ምምላስ ሰብ ይሕብሩ። እቲ ቐንዲ ትምህርቲ ምሳሌታት ከኣ፤ ጥበብሲ ምስ እግዚኣብሄር ብምትሕብባር፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ከም እትህብን ንኹሉ ኸም እተስልጥን ምርዳእ እዩ። • ዝኾነ ኾይኑ፡ ኩሉ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ምሳሌታት፡ ናይ ሰሎሞን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብቲ ምሳሌታት ቃላት ጠቢባን ኣሎ፡ ናይ ኣጉር ምሳሌታት ኣሎ፡ ከምኡውን ቃላት ልሙኤል ተመልኪቱ ኣሎ (ምሳ.22፡17፤ 24፡23፤ 30፡1፤ 31፡1)። ካብ ምሳ.1 ጀሚርና ክሳዕ ምሳ.9 እንተንበብና፡ ጥበብ ምኽሪ ኽትህብ ከላ ንርኢ። ኣብ ጎደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ቃላት ትዛረብ (ምሳ.1፡20፤ 8፡1-3፤ 9፡1-3)። እቲ እትህቦ ትምህርቲ ኸኣ ናይ ሰሎሞን እዩ። ካብዚ ቐጺልና እቲ ኣብ ምሳ.10-22፡16 ምስኡ ኸኣ ኣብ ምሳ.25-29 ዘሎ ጽሑፍ፡ ሰሎሞን ባዕሉ ዝመሃዞ ምሳሌታት ምዃኑ ንርዳእ። ሰሎሞን ካብ እግዚኣብሄር ፍሉይ ጥበብ ከም እተቐበለን፡ ስለስተ ሽሕ ምስላ ከም ዝመሰለን ነንብብ (1ነገ.3፡10-12፤ 4፡29-34)። ካብዘን ምስላታት ሰሎሞን፡ መብዛሕትኤን ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተጠርኒፈን ኣለዋ፡ እቶም ዝኣኻኸብወን ከኣ ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት እዮም (ምሳ.25፡1)። እዘን ምስላታት እዚኣተን ድማ ኣብተን ኣብ መወዳእታ ዘለዋ 7 ምዕራፋት (ማለት ምሳ.25-31) ተመዝጊበን ይርከባ።ይቕጽል …….

  32. መጽሓፈ ምሳሌ …..መቐጸልታ • መጽሓፍ ምሳሌ መኣስ ተጻሕፈት? ንዚብል ሕቶ፡ ከምዚ ዚስዕብ መልሲ ኪውሃቦ ይከኣል። እታ መጽሓፍ ካብቲ ሰሎሞን ዝነገሰሉ ጊዜ፡ ማለት ካብ 950ቅ.ል.ክ. ኣቢላ ብሰሎሞን ተጀሚራ ትኸውን። እቶም ናይ ህዝቅያስ ሰባት ከኣ ብ 700ቅ.ል.ክ. ካልእ ምስላታት ዝወሰኹላ ይመስል። ኣይሁድ ድማ ብ 450ቅ.ል.ክ. ካብ ምርኮ ምስ ተመልሱ ነታ መጽሓፍ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ፍጻሜ ከም ዘብጽሕዋ ይግመት። • መጽሓፍ ምሳሌ ብመልክዕ ግጥሚ እያ እተጻሕፈት፡ ምኽንያቱ ኸኣ ብግጥሚ ዚውሃብ ትምህርቲ ኣብ ልቢ ኸም ዚዕቆር ፍሉጥ እዩ። ነፍስ ወከፍ ምሳሌ ርእሱ ዚኸኣለ ስለ ዝኾነ፡ በብሓደ ኺንበብ ከሎ ነናይ ገዛእ ርእሱ ትምህርቲ ይህብ። ብዝተረፈ ኣብ ሓደ ዛንታ ኸም እንርእዮ እተኣሳሰረ ዓይነት ንባብ ኣይኮነን። እዚ ኪኸውን ከሎ ኸኣ በብዓይነቱ ምሳሌታት ኣብ ሓደ ክፍሊ ተጠርኒፉ ዚርከብ ስለ ዝኾነ፡ ነፍስ ወከፍ ምሳሌ ምስቲ ምስኡ ዚሰማማዕ ካልእ ምሳሌ ምንባቡ ጠቓሚ እዩ። • ክርስቶስን ጴጥሮስን ጳውሎስን ያእቆብን ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ይጠቕሱ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ሉቃ.14፡8-10 ምስ ምሳ.25፡6-7። 1ጴጥ.2፡22 ምስ ምሳ.26፡11። ሮሜ.12፡20 ምስ ምሳ.25፡21-22። ያእ.4፡6 ምስ ምሳ.3፡34 ኣጋጥም)።

  33. መጽሓፈ መክብብ • መክብብ፤ ማለት ሰባኺ ወይ መምህር ማለት እዩ። ሰሎሞን በዛ መክብብ እትብሃል መጽሓፍ ይሰብኽን ይምህርን። ሰሎሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ የሩሳሌም(መክ.1፡12) ተባሂሉ እቲ ጥበቡ ኣብ ሓያሎ ክፍልታት መክብብ ተጠቒሱ ንረኽቦ (መክ.1፡16፤ 2፡9)። ብዙሕ ምስላታት ከም ዝሰርዔውን ንርኢ (12፡9። 1ነገ.4፡32)። ገሊኦም ሊቃውንቲ፡እቲ ኣጸሓሕፋ እብራይስጢ ናይ መጽሓፍ መክብብ ናይ ዳሕራይ ዘበን እዩ እምበር ናይ ዘበን ሰሎሞን ኣይኮነን፡ ስለዚ እቲ ጸሓፊ መጽሓፍ መክብብ ካልእ ሰብ እዩ፡ዚብሉ እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ጸሓፊ ካልእ ሰብ እንተኾነውን እቲ መጽሓፍ መክብብ እትህቦ መልእኽቲ ብዘይ ጥርጥር ናይ ሰሎሞን እዩ።ሰለሞን ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፤ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት ከንቱ እዩ፡ ኣየጽግብን፡﻾ ይብል። ኣምላኽ ግና ንጉስ ስለዝኾነ ኩሉ ኪገብር ይኽእል፡ ሃብታም ስለ ዝኾነ ዝደለዮ ይዕድግ፡ ጥበበኛ ስለዝኮነ ንኹሉ ኺምርምር ይኽእል። ካብ ኣምላኽ ኪበልጽ ዚኽእል የልቦን። ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ትምህርቲ ምስ መዝ.49 ከም ዚሰማማዕ ንርኢ። እቲ ኣብ ዮሃ.10፡10 ተጻሒፉ ዘሎ ጥቕሲ ኸኣ ኣብቲ ትምህርቲ እቲ ይሕብር።ክፍልታት መጽሓፍ መክብብ፤ • መክ.1። እቲ ሰባኺ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ማለት ኣብ ምልእቲ ዓለም ዘይሩ ይምለስ እሞ ኩሉ ኸንቱነት ከም ዝኾነ ይርኢ። • መክ.2። ኩሉ ጣዕሚ ናይዛ ዓለም፡ ሰሓቕን መስተን ጸወታን ሃብትን ፍልጠትን ስልጣንን ጥሪትን ኣንስትን ክብረትን ኩሉ ኻልእ ነገራት ይፍትን፡ ምስ ፈተነ ኸኣ ኩሉ ኸንቱነት ድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ዘየጽግብን ምዃኑ ይግንዘብ። • መክ.3-11። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ክልተ ሓሳባት ማዕረ-ማዕረ ኾይኑ ይኸይድ። (ሀ) ኩሉ እቲ እግዚኣብሂር ዘይብሉ ነገር ከንቱ እዩ። ንኣብነት፡ ሞት ከንቱ እዩ፡ ሰብ ከምቶም ዚሞቱ እንስሳ እዩ (መክ.3፡18-21)። (ለ) ዓለም ጽብቕቲ እያ፡ ፍጥረት እግዚኣብሄር እያ፡ ስለዚ ሰብ ኣብ ዓለም ከሎ ባህ ይብሎ፡ ተስፋኡ ግና ኣብኣ ኣይመስርት (መክ.3፡11-13)። • መክ.12። ኣብ ዓለም ምሉእ ሓጎስን ዘይበርስ ህይወትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ምንጪ ዘይርከብ ስለዝኾነ፡ እቲ ሰባኺ ኣብ ናይ መወዳእታ ምኽሩ፤ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሓልዎ፡ዚብል ቃል እዩ።

  34. መሃልየ ማሃልይ • መሃልይ፤ እዛ ቓል እዚኣ ናይ ግእዝ ቃል እያ። ትርጉማ ኸኣ፡ ቅነ፡ ግጥሚ ወይ መዝሙር እዩ። ስለዚ እታ ብሰሎሞን ከም እተጻሕፈት እትሕሰብ "መሃልየ መሃልይ" ቅነ-ቅነታት፡ ግጥሚ-ግጥምታት ወይ ከኣ መዝሙር-መዛሙር ማለት እያ (1ነገ.4፡32)። • እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ዝለዓለ ናይ ሰለሞን መዝሙር እትገልጽ መጽሓፍ ቅነ እያ። ኣብኣ ናይ ክልተ ፍቑራት ምዝርራብ ብግጥሚ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ትሕዝቶኣ ብግጥሚ ስለ እተጻሕፈ፡ ካብቲ ስሩዕ ኣጸሓሕፋ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ትርጉም እቲ ትሕዝቶኣ ኸኣ ንምርድኡ ብዙሕ ጊዜ ብርትዕ ዝበለ ኾይኑ ንረኽቦ። ብዓይኒ እቲ መርዓዊ እታ መርዓት ኣብ ገጻ ፈጺሙ መንቅብ ዘይብላ ናይ ጽባቔ ምልኣት ኮይና ትግለጽ (መሃ.4፡1-15፤ 6፡6-10)። ከምኡ ኸኣ እታ መርዓት ነቲ መርዓዊ ክትምልከት ከላ፡ ኣዝዩ ዝጸበቐ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ኾይኑ ትረኽቦ (መሃ.5፡9-16)። እዚ ምዝርራብ እዚ ብናይ ፍቕሪ ምዝርራብ ኣብ መንጎ ክልተ ፍቑራት ዚዝረብ ስለዝኾነ፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ምስጢር ብዘይ ምስትውዓል ኪነቕፍዎ ይርከቡ። እንተኾነ ግና እቲ ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ብርግጽ ሓደ ቅዱስ ምሳሌ እዩ።እዛ መጽሓፍ እዚኣ ናይ ምንታይ ምሳሌ እያ? ንዚብል ሕቶ፡ በብዓይነቱ መልሲ ሊቃውንቲ ንረኽበሉ። ኣይሁድ ከም ምሳሌ እግዚኣብሄርን ህዝቢ እስራኤልን ገይሮም ይርድእዎ (ህዝ.16። ሆሴ.1-3)። ካልኦት ሊቃውንቲ መ.ቅ. ከኣ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ማሕበሩን ዘሎ ፍቕሪ፡ ብሩህ ምሳሌ ከም ዝኾነትን፡ እግዚኣብሄር ብሰሎሞን እታ ማሕበሩ ከኣ ብሱላሚት መርዓቱ ተመሲሎም ከም ዘለውን ይገልጹ። ነታ ማሕበር እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ዝሰብኣያ ሰበይቲ ገይሩ ዚዛረበላ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስውን መብርሂ ኣሎና (ህዝ.16። 2ቆረ.11፡2። ኤፌ.5፡22-32። ራእ.21፡2፤ 22፡17)።ክፍልታት እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተሓላለኸ እዩ። ኣብቲ ትሕዝቶኣ፡ ሰለስተ ሰባት በብተርታ ኺዛረቡ ንሰምዕ። እታ ጽብቕቲ 17 ጊዜ፡ እቲ ፈታዊኣ 11 ጊዜ፡ ከምኡ ኸኣ እተን ኣዋልድ የሩሳሌም ተባሂለን ዘለዋ 4 ጊዜ እናተቐባበሉ ይዛረቡ። ስም እግዚኣብሄር ከኣ ሓደ ጊዜ ጥራይ ተጠቒሱ ንረኽቦ (መሃ.8፡6)።

  35. መ. ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ነብያት ብእግዚኣብሄር ተመሪሖም ዝተዛረብዎን ዝምሃርዎን እንታይ ከም ዝኾነ ይነግረና (ይምህረና)። ብመሰረት እዞም መጻሕፍቲ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ከም ዝብጀዎምን ከም ዝሕልዎምን ይነግረና። እዙይ ግና እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዘለዎም እምነት እንተ ጸኒዑ እዩ። ነገር ግን ሕጉ እንተ ድኣ ጥሒሶም እግዚኣብሄር ንመከራ ኣሕሊፉ ከም ዝህቦምን ከም ዝቀጽዖምን ይገልጽ፣ ከምኡ እውን ሰላም ወይ ጥፍኣት ከምጽእ ከም ዝኾነ ቅድሚ ምዃኑ ኣቀዲሞም ከም ዝዛረቡን ከም ዘጠንቁቁን የረዳኣና። ናይ ነብያት መጻሕፍቲ በቲ ናይ ጻሓፍቶም ስም ይጽውዑ፣ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ከኣ ይኽፈሉ፤ ንሳቶም ከኣ፡- • ዓበይቲ ነበያት • ናኣሽቱ ነበያት ተባሂሎም ይጽዉዑ።

  36. ዓበይቲ ነብያት ዓበይቲ ነብያት ዝተባሃሉ ካብቶም ካልኦት ነብያት ስለ ዝዓብዩ ወይ እውን ሰለ ዝበልጹ ዘይኮነስ እቲ ሒዞሞ ዘለዉ ምዕራፋትን ቁጽርታትን ካብቶም ካልኦት ስለ ዝበዝሕ እዩ። እቶም ዓበይቲ ነብያት ዝባሃሉ ኣርባዕተ (4) እዮም፣ ንሳቶም ከኣ፡- • ነብይ ኢሳይያስ • >> ኤርምያስ • ነብይ ህዝቅኤል • >> ዳንኤል እዮም።

  37. ነብይ ኢሳይያስ • ኢሳይያስ፤ ማለት እግዚኣብሄር ምድሓን እዩ ማለት እዩ። ብዘበን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ነገስታት ይሁዳ ካብ 740 ክሳዕ 688 ቅ.ል.ክ. ዚንበ ዝነበረ ነብዪእዩ። ብዘበን መንግስቲ ኣሃዝን ህዝቅያስን ኣማኻሪ ቤተ-መንግስት ነበረ። ኣቦኡ ኣሞጽ ይብሃል፡ እዚ ግና ካልእ እዩ እምበር ነብዪ ኣሞጽ ኣይኮነን (2ነገ.19፡1-2። ኢሳ.1፡1)። ኢሳይያስ በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ነብዪ ኪኸውን ተጸውዔ (ኢሳ.6)። ብዘበን ንጉስ ኣሃዝ፡ ሰራዊት ሶርያን ሰማርያን ንይሁዳ ምስ ወረርዋ፡ ኢሳይያስ ምስ ወዱ ወጺኡ ንኣሃዝ ተቐባበሎ እሞ፡ እምነቱ ናብ እግዚኣብሄር ኪገብር እምበር ከይስንብድ መከሮ። ኣሃዝ ግና ምእንቲ ካብ ጸላእቱ ኺረድኦ ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ይህብ ነበረ (ኢሳ.7፡1-17፤ 8፡1-4። 2ዜና.28፡16-21)። መንግስቲ ኣሶር እናበርትዔት ምስ ከደት መራሕቲ ይሁዳ ሓገዝ ኪረኽቡ ናብ ምስሪ ቖላሕታኦም ሰደዱ፡ ኢሳይያስ ከኣ ነዚ ናብ ወጻኢ ቁልሕ ምባሎም ብእግዚኣብሄር ዘይምእማን ከም ዝኾነ ገሊጹ ተዛረበሉ (ኢሳ.20፤ 30፡1-5)። ንጉስ ኣሶር ንከተማታት ይሁዳ ሒዙ ኣብ የሩሳሌም ኮይኑ ብንዕቐት ምስ ተዛረበ፡ ኢሳይያስ እቶም ኣሶራውያን ከም ዚሰዓሩ ተነበየ፡ ከምቲ ቓሉ ኸኣ ሰራዊት ኣሶር ብሴፍ ኣምላኽ ተወቕዑ (2ነገ.18፡13-19፥37። 2ዜና.32፡16-21። ኢሳ.30፤ 37)። ንጉስ ህዝቅያስ ምስ ሓመመ፡ ከም ቃል ኢሳይያስ፡ ካብ እግዚኣብሄር ምልክት ተዋህቦ (2ነገ.20፡1-11)፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነብዪ ኢሳይያስ ደቂ ህዝቅያስ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከም ዚውሰዱ ተዛረበ (ኢሳ.39)።

  38. ትንቢት ኢሳይያስ • ኢሳይያስ መጽሓፍቲ ታሪኽ ነገስታትን መጽሓፍ ትንቢትን ጸሓፈ (2ዜና.26፡22፤ 32፡32። ኢሳ.8፡1)። ትንቢት ኢሳይያስካብ ቀደም ጀሚሩ ብ 700 ቅ.ል.ክ. ከም እተጻሕፈ ይብሃል። ኣብዘን ዝሓለፋ 200 ዓመታት ግና ብዛዕባ መጽሓፍ ኢሳይያስ ብዙሕ መጽናዕቲ ስለ እተገብረ፡ ኣብ መንጎ ዘበናውያን ሊቃውንቲ እተፈላለየ ሓሳባት ተረኺቡ ኣሎ። ኢሳይያስ ባዕሉ ካብ ኢሳ.1 ክሳዕ 39 ከም ዝጸሓፈ እምበር እተን ካብ ኢሳ.40 ክሳዕ 55 ዘለዋ ምዕራፋት ብኻልእ ኣብ ጊዜ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረ ነብዪ፡ ካብ ኢሳ.55 ክሳዕ 66 ከኣ ብሓደ ኻልእ ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረ ነብዪ እየን ተጻሒፈን ዚብሉ ኣለው። ካልኦት ከኣ ኢሳ.1-39 ከምኡ ኸኣ ኢሳ.56-66 ኣብ በበይኑ ኽፍሊ ተመቒሉ ብብዙሓት ሰባት እተጻሕፈ ይመስል ዚብሉ ኣለው። • ነዚ ሓሳብ እዚ ንምድጋፍ ክልተ ምኽንያት ተዋሂቡ ኣሎ፤ 1. ሓደ ነብዪ ነቶም ብዘበኑ ዚርከቡ ሰባት ጥራይ ዚዛረብ ስለ ዝኾነ፡ ኢሳይያስ ነቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ ምሩኻት ባቢሎን ዝጸሓፈ ኣይመስልን ዚብል ሓሳብ ኣሎ። እንተኾነ ግና እቲ ብነብያት ገይሩ ዚዛረብ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ፡ በዚ ሓሳብ እዚ ዚውሰን ኣይኮነን። 2. ኣብ መንጎ ኢሳ.1-39 ኣብ መንጎ ኢሳ.40-66 ፍልልይ ኣጸሓሕፋን ፍልልይ ካልእ ነገራትን ስለ ዘሎ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ነቲ እተባህለ ኺድግፍ ይለዓል። እንተኾነ ግና እቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ዓመታት፡ ኣብ ጊዜ እርጋን እቲ ነብዪ እተጻሕፈ ኽፍሊ፡ ካብቲ ብጊዜ ጉብዝንኡ ዝጸሓፎ ኸይተፈልየ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ክልቲኡ ኽፍሊ ዚሰማማዕ ነገራት ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ ካብ ካልኦት ነብያት ኣብሊጹ ንእግዚኣብሄር “ናይ እስራኤል ቅዱስ”እናበለ ይሰምዮ (ኢሳ.1፡4፤ 37፡23፤41፡16፤ 60፡14)።ይቕጽል ……

  39. ትንቢት ኢሳይያስ • ካብ ዘበን ብ.ኪ. ጀሚሩ ትንቢት ኢሳይያስምስቲ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ናይ እብራይስጢ ቑጹር እዩ። ካብዚ መጽሓፍ እዚ ዚጥቀስ ዝኾነ ኽፍሊውን ቃል ነብዪ ኢሳይያስ ከም ዝኾነ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይ ነብዪ ኢሳይያስ፤ ናይ እስራኤል ቅዱስኣብ ምልእቲ ዓለም ከም ዚነግስ፡ ኣብ ልዕሊ ዓመጸኛታት ከም ዚፈርድ፡ ነቶም ዝኣምንዎ ኸኣ ከም ዘድሕኖም ምግላጽ እዩ። ንትንቢት ኢሳይያስ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ክንከፍሎ ንኽእል፤ 1.ካብ ኢሳ.1-39፡ ኣብ ጊዜ ኢሳይያስ እተፈጸመ ተግባራት ዚገልጽ ክፍሊ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ፡ እግዚኣብሄር ቅዱስ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓማጺ ዝኾነ ህዝብን ካልኦትን፡ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዘየቋርጽ እናገለጸ፡ ክብርን በረኸትን መንግስቲ ኣምላኽ የረድእ። 2. ካብ ኢሳ.40-55፡ ድሕሪ ጊዜ ኢሳይያስ ብምኽንያት ምርኮ ባቢሎን እተጻሕፈ ተግባራት ዚገልጽ ክፍሊ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ፡ እግዚኣብሄር መድሓኒ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቡ ናብ ሃገሮም ከም ዚመልሶም እናገለጸ፡ ካብዚ ዝበለጸ ኸኣ ንምልእቲ ዓለም ምድሓን ከም ዘምጽእ ንርኢ። 3. ካብ ኢሳ.56-66 ዘሎ፡ ዘልኣለማዊ ኽብሪ ጽዮን ዚገልጽ ክፍሊ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ እቶም ክፍኣት ዚመርጹ ኸም ዚጠፍኡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በቶም ናቱ ዝኾኑ ኸም ዚሕጎስ ይዛረብ። • ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መሲህ ኣስፊሑ ይገልጽ፤ እቶም ጸሓፍቲ ሓ.ኪ. ንኢሳይያስ እናጠቐሱ፡ እቲ ኢሳይያስ ብዛዕባኡ እተነበየሉ፡ የሱስ ምዃኑ የረጋግጹ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ነገራት ኣስፊሑ ይዛረብ፤ እቲ ዚመጽእ ካብ ድንግል ከም ዚውለድ (ኢሳ.7፡14። ማቴ.1፡23)፡ መንግስቱ ዘልኣለማዊት ምዃና (ኢሳ.9፡6)፡ ካልእ ሰብ መገዱ ኸም ዘዳልወሉ (ኢሳ.40፡3-5። ማቴ.3፡3)፡ ኣብ ገሊላ ኸም ዚዓዪ (ኢሳ.9፡1-2።ማቴ.4፡11-16)፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝኾነ (ኢሳ.61፡1። ሉቃ.4፡17-19)፡ ሕሙማት ከም ዚፍውስ (ኢሳ.53፡4። ማቴ.8፡16-17)፡ ብለውሃት ከም ዚዐዪ (ኢሳ.42፡1-3። ማቴ.12፡18-21)። መሰረት እምነት ከም ዚኸውን (ኢሳ.28፡16። ሮሜ.9፡32-33)፡ ኣህዛብ ከም ዜድሕን (ኢሳ.65፡1-2። ሮሜ.10፡20)። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ እቲ ብዛዕባ ባርያ እግዚኣብሄርዚዛረበሉ ኽፍሉ፡ እቲ ብዛዕባ መሲህዚንበየሉ ጽሑፍ እዩ (ኢሳ.42፡1-4፤ 49፡1-7፤ 50፡4-9፤ 52፡13-53፡12)። ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢሳ.53 ንሕማማት ክርስቶስ ብትንቢት ገይሩ ይገልጾ። እዚ ቓል እዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ተጠቒሱ ኣሎ (ሉቃ.18፡31-33። ዮሃ.12፡37-38። ግብ.8፡32-35። ሮሜ. 4፡24-25። 1ጴጥ.2፡24-25)። ከምኡ ኸኣ ኢሳይያስ ብዛዕባ ምትህልላኽ እስራኤል ምስ ኣምላኽ ብዙሕ ጊዜ ጽሒፉ ኣሎ። እዚውን ኣብ ሓ.ኪ. ተጠቒሱ ንረኽቦ (ኢሳ.1፡9 ምስ ሮሜ 9፡29። ኢሳ.6፡9-10 ምስ ማር.4፡11-12። ኢሳ.29፡13 ምስ ማቴ.15፡8-9 ኣጋጥም)።

  40. ነብይ ኤርምያስ • ኤርምያስ፤ {እግዚኣብሄር ክብ የብል} ማለት እዩ። ኤርምያስ ሓደ ኻብቶም ዓበይቲ ነብያት እዩ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም እትርከብ ኣናቶት ኣብ እትብሃል ከተማ ዝነበረ ዓሌት ካህናት እዩ። • ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣቦ ኤርምያስ እቲ ብዘበን ዮስያስ መጽሓፍ ሕጊ ዝረኸበ ሒልቅያ ከም ዝኾነ ይኣምኑ። ንእስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ ንኣህዛብውን ነብዪ ኪኸውን ምስ ተጸውዔ ሰምበደ እሞገና ቆልዓ እየ፡እናበለ ኣመኻነየ፡ ድሕሪኡ ግና በቲ እተዋህቦ ተስፋ በርትዔ። ኤርምያስ ብ 626 ቅ.ል.ክ. ኣብ መበል 13 ዓመቱ ንንጉስ ዮስያስ ተጸውዔ፡ ብዘበን ደቂ ዮስያስ ከኣ እናተነበየ ጸንዔ እሞ 40 ዓመት ድሕሪ እቲ ጽውዓኡ ምርኮ ኢየሩሳሌም ረኣየ (ኤር.1፡1-10)። በቲ ዓመታት እቲ እዞም ዚስዕቡ ሓሙሽተ ነገስታት ነገሱ፤ 1. ዮስያስ። ንሱ ኻብቶም ሕያዎት ነገስታት እቲ መወዳእታኦም ነበረ። ናይ ባዕዲ ኣምልኾ ንምክልኻል፡ ኣምልኾ ኣምላኽን ቤት ኣምላኽን ንምሕዳስ ብዙሕ ጸዓረ። ዮስያስ ምስ ሞተ ኸኣ ኤርምያስ ኣልቀሰሉ (2ዜና.34-35)። 2. ዮኣሓዝ። ዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ምስ ነገሰ፡ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ተማሪኹ ናብ ግብጺ ተወስደ (2ዜና.36፡1-4። ኤር.22፡10-12)። 3. ዮያቂም። ዮያቂም ሓው ዮኣሓዝ ቅድም ንግብጺ ደሓር ከኣ ንባቢሎን ተገዝኤ (2ዜና.36፡4-8)። ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝነበረ (ኤር.22፡13-19)፡ ንኤርምያስ ተቓወሞ፡ መጽሓፉ ኣንደደሉ (ኤር.36)። 4. ዮያኪን። ዮያኪን ወዲ ዮያቂም ምስ ነገሰ፡ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ምስ ብዙሓት ሰብ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ተማረኸ (2ነገ.24፡8-17። ኤር.22፡24-30)። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብ ክንድኡ ንሓወቦኡ ጼድቅያስ ኣንገሰ። 5.ጼድቅያስ። ጼድቅያስ ካብ ኤርምያስ ምኽሪ ደኣ ይጥይቕ ነበረ እምበር ነቲ ምኽሪ ኣይተቐበሎን (ኤር.37)። ስለዚ ጼድቅያስ ኣብቲ ኽፍኣቱ ተረረ። ብመሰረት እቲ ብኤርምያስ እተባህለሉ ትንቢት ከኣ ተማረኸ (ኤር.34፡1-5)። ኣብ መበል 11 ዓመቱ የሩሳሌም ተታሒዛ ኽትነድድ ከላ፡ ኤርምያስ ተኣሲሩ ነበረ። ኤርምያስ ምስቲ ነቡካድነጻር ኣብ ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ ተቐመጠ እምበር ናብ ባቢሎን ኣይተወስደን። ገዳልያ ምስ ተቐትለ ግና እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ብግዲ ናብ ግብጺ ወሰድዎ (ኤር.39-43)። ኣብ ግብጺ ኸኣ ትንቢት ካብ ምንባይ ትም ኣይበለን (ኤር.43፡8-44፡30)። ብዛዕባ ኣማውታኡ ኸኣ እተጻሕፈ ነገር የልቦን።ይቕጽል …….

  41. ነብይ ኤርምያስ • ኣብ ትንቢት ኤርምያስቃል ትንቢት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኤርምያስ ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባ እቲ ዝወረዶ መከራን ኣስፊሑ ጽሒፉ ኣሎ። ስለዚ ኻብ ካልኦት ነብያት ዝበለጸ ብዛዕባ ጠባዩን ኩነታቱን ኪፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ንየሩሳሌምን ህዝባን ሽሕ እኳ ብዙሕ ከም ዚፈትዎም እንተ ገለጸ (ኤር.8፡18-9፡1፤ 13፡17)፡ ተማሪኾም ምኻዶም ከም ዘይተርፎም ኪነግሮም ግቡእ ኮይኑ ተራእዮ። ልዕሊ እዚ ኸኣ፤ ንንጉስ ባቢሎን ኢድኩም ሃቡ፡ ተገዝኡ፡ እቶም ምሩኻት ቅድሚ 70 ዓመት ኣይኪምለሱን እዮምኢሉ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገለጸሉ ቓል ትንቢት ስለ እተዛረበ፡ እተጸልኤ ነብዪ ኾነ። ብዙሓት ከኣ ኪቐትልዎ ደለዩ (ኤር.11፡21፤ 26፡11፤ 36፡26፤ 38፡6-10)። ተወቕዔ ኣብ ጉንዲ ተኣስረ፡ ኣብ ጉድጓድ ጭቃ ተደርበየ (ኤር.20፡2፤ 37፡13-15፤ 38፡28)፡ ተጸሊሉ ተባህለ (ኤር.29፡26-27)። ምስዚ ኹሉ ከኣ ንህዝቡ ምልክት ምእንቲ ኪኸውን ሰበይቲ ከየእቱን ናብ ዕድመ ወይ ናብ ቤት ሓዘን ከይኸይድን ተኸልከለ (ኤር.16)። ኣብዘን ዚስዕባ ምዕራፋት ብዛዕባ እቲ እተሰምዖ ጭንቅን ዝጸለዮ ጸሎትን ይጽሕፍ (ኤር.1፡4-10፤ 8፡18-9፡2፤ 11፡18-12፡6፤ 15፡10-21፤ 17፡12-18፤ 18፡18-23፤ 20፡7-18)። ኣብ ኩሉ እቲ ዝጓነፎ ዝነበረ ነገራት ከኣ እግዚኣብሄር ከምቲ ዘተስፈዎ ገይሩ ይሕልዎ ነበረ (ኤር.1፡18-19፤ 15፡20-21)።

  42. ትንቢት ኤርምያስ • ኤርምያስ ብዘበን ሓሙሽተ ነገስታት ይሁዳ እተነበየ ነብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ንኤርምያስ ምስ ጸውዖ፤ ህዝቢ ይሁዳ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹ፡ ካብ ሰሜን ጸላኢ ኽሰደሎም እየ፡ኢሉ ነገሮ (ኤር.1፡13-16)። ኤርምያስ ከኣ ናብቲ ህይወቶም ዝኾነ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ ን 23 ዓመታት ዚኣክል ከየቋረጸ ይነግሮም ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን (ኤር.25፡3-7)። ኤርምያስ ምስ ተጸውዔ፡ ኣብ መበል 23 ዓመቱ፡ እቲ ኻብ ሰሜን ኺመጽእ እዩ እተባህለ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ባቢሎን ነገሰ (ኤር.25፡1-2)። ኤርምያስ ከኣ ነቡካድነጻር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ከም ዚመጽእን፡ እዞም ህዝብታት ከኣ ን 70 ዓመታት ዚኣክል ንባቢሎን ከም ዚግዝኡን ተነበየ (ኤር.25፡8-11)፡ ድሕሪኡ ኸኣ ባቢሎን ከም እትወድቕ ገለጸ (ኤር.25፡12-14)። ነዚ ኸቢድ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ንምዝራብ ዝበቕዔ ብሓይሊ ኣምላኹ እምበር ብናይ ርእሱ ኽእለት ኣይነበረን (ኤር.1፡6-10፥17-19)። ንጉስ ዮያቂም ነቲ ኤርምያስ ኣብ 23 ዓመታት እተነበዮ ትንቢት ምስ ኣንበቡሉ ነቲ ጽሑፍ ቆራሪጹ ኸም ዘንደዶ ጽሑፍ ኣሎ፡ ኤርምያስ ከኣ ከም ብሓድሽ ብኢድ ባሩክ ኣጽሓፎ (ኤር.36)። • ኤርምያስ ካብቲ ጼድቅያስ ዝነገሰሉ ጊዜ ጀሚሩ፤ ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፡ ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ፤ እናበለ ንጼድቅያስ የጠንቅቕ ነበረ። ጼድቅያስ ግና እምነቱ ኣብ ግብጺ ስለ ዝነበረ (ኤር.37፡3-10)፡ መሊሱ ኸኣ ስለ ዘመኽነየ (ኤር.38፡19)፡ ንንጉስ ባቢሎን ኢዱ ኣይሃበን። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ዝወረደ ፍርዲ ዝገደደ ኾነ (ኤር.39፡1-10። 2ዜና.36፡11-21)።ይቕጽል ….

  43. ትንቢት ኤርምያስ • ኤርምያስ መልእኽቲ ፍርዲ ዘይኮነስ መልእኽቲ ተስፋውን ይህብ ከም ዝነበረ ንርኢ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ኸም ዚመልሶምን የሩሳሌም ከኣ ተሓዲሳ፡ {እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ}ከም እትብሃልን፡ እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ሓድሽ ኪዳን ከም ዚገብርን፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ንጉስ ነጊሱ ኸኣ “እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ”ከም ዚብሃል ተነበየ (ኤር.30-33፤ 23፡1-6)። ኤርምያስ ብቓል ጥራይ ዘይኮነስ ብበበይኑ ተግባርን ምሳሌን ገይሩ ትንቢቱ ይገልጽ ነበረ። ከም ምሳሌ ገይሩ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ናይ ትንቢት መግለጺ ጽሒፉ ኣሎ፤ ብዛዕባ ቕናት (ኤር.13)፡ ብዛዕባ ሰራሕ መሬት (ኤር.18)፡ ብዛዕባ ሳርማ (ኤር.19-20)፡ ብዛዕባ መእሰርን ኣርዑትን (ኤር.27-28)፡ ብዛዕባ ሕርሻ (ኤር.32)፡ ብዛዕባ ሬካባውያን (ኤር.35)፡ ብዛዕባ ዓበይቲ ኣእማን (ኤር.43፡8-13)፡ ብዛዕባ ምሳሌ እታ እተዋህበቶ መጽሓፍ (ኤር.51፡59-64)፡ ብዛዕባ እታ ዝረኣያ ጨንፈር ኦም ለውዚ፡ ብዛዕባ እተን በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ (ኤር.1፡11-13፤ 24)። • እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ኤርምያስ፡ እግዚኣብሄር ዓቢን ቅዱስን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቡ ኻብ ክፍኣት ተመሊሶም ብፍጹም ልቦም እምበር ብሓሶት ከየምልኽዎ ምንጋር እዩ። ብዘበን ንጉስ ዮስያስ፡ ይሁዳ ናይ ሓቂ ዘይኮነ፡ ብኣፎም ጥራይ ናብ እግዚኣብሄር ከም እተመልሱ ነንብብ (ኤር.3፡10)። ሽዑ እቶም ካህናትን ነብያትን፤ መቕደስ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝቡ ኢኹም፡ ኣጆኹም፡ ዚወርደኩም ነገር የልቦን፡እናበሉ ነቲ ህዝቢ የታልልዎ ነበሩ እምበር፡ ብዛዕባ ምፍራህ እግዚኣብሄር ኮነ ብዛዕባ ብቕንዕና ምንባር ኣይተዛረቡን (ኤር.7፡3-11፤ 14፡13-18፤ 23፡9-40)። እግዚኣብሄር ግና ልቢ ሰብ እዩ ዚርእï (ኤር.17፡9-10)። እቶም ብምሉእ ልቦም ንኣምላኽ ዚደልይዎ ኸኣ ይረኽብዎ እዮም (ኤር.29፡13)። እግዚኣብሄር ነቲ ሕጉ ኣብ ልቢ ህዝቡ ዚጽሕፈሉ ጊዜ ብተስፋ ይጽበ ነበረ (ኤር.31፡33፤ 32፡39-40)።

  44. ነብይ ህዝቅኤል • ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ “እግዚኣብሄር የበርትዕ” ማለት እዩ። ብ 597 ቅ.ል.ክ. ደቂ እስራኤል ናብ ባቢሎን ምስ ተማረኹ፡ ነብዪ ህዝቅኤል ሓደ ኻብቶም ምርኮኛታት ነበረ፡ እዚ ነብዪ እዚ ካህን እስራኤል ከኣ ነበረ። ኣብቲ ሃገር ምርኮ ምስቶም ካልኦት እስራኤላውያን ኮይኑ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ይነብር ነበረ (ህዝ.1፡3)። በዚ ዘሎናዮ እዋን እቲ ርባ ኣየናይ ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ፡ እንተኾነ ግና ካብ ከተማ ባቢሎን ብዙሕ ርሑቕ ከም ዘይኮነ ይግመት። ነብዪ ህዝቅኤል ንዳንኤል ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ነንብብ (ህዝ.14፡14፤ 14፡20፤ 28፡3)። ነብዪ ህዝቅኤል በዓልት-ቤት ከም ዝነበረቶ ጽሑፍ ኣሎ (ህዝ.8፡1፤ 24፡16-18)። ነብዪ ህዝቅኤል ወዲ ሰላሳ ዓመት ምስ ኮነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከም ዘሎ ብራእይ ረኣየ (ህዝ.1)። ነቶም እተማረኹ ህዝቢ እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ኪነግር ተጸውዔ (ህዝ.2፡1-4)። እንተ ዘይነገረ ግና እግዚኣብሄር ደም እቶም ሓጢኣተኛታት ካብ ኢዱ ኸም ዚደልዩ ክልተ ግዜ ከም ዘጠንቀቖ ነንብብ (ህዝ.3፡18፤ 33፡6)። • ቅድሚ ውድቀት ኢየሩሳሌም ዝሰበኾ ስብከት፡ ናይ ንስሓ ስብከት እዩ ዝነበረ። እዚ ኸኣ፡ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣይሁድ፤ ቀልጢፍና ናብ ሃገርና ኽንምለስ ኢና፡ ባቢሎን ተሳዒራ ሕጂ-ሕጂ ካብ ሃገርና ክትወጸልና እያ፡ዚብል ሓሳብ ስለ ዝሓደሮም እዩ ዝኾነ። ምስናይ እዚ ኹሉ ግና እቶም ህዝቢ ምልክት ምምላስ ናብ እግዚኣብሄር ኣየርኣዩን። የሩሳሌምሲ ክትወድቕ ኣይከኣልን እዩ፡ ዚብል ኣጉል እምነት ነበሮም። እዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ቅዱስ ከም ዝኾነን ሓጢኣቶም ከኣ ፍርዲ ከም ዜስዕብ ስለ ዘይተረዱን እዩ ዝኾነ። እታ ኸተማ ምስ ወደቐት ግና መንፈስ እቶም ህዝቢ ተለወጠ እሞ በቲ እተፈጸመ ነገር እናሓዘኑ ተስፋ ቖረጹ። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ፡ ስብከት ነብዪ ህዝቅኤል ኣብ ቃል ምጽንናዕ ተለወጠ። እግዚኣብሄር ብብዝሒ ምሕረቱ ከም ዜድሕን፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ ጓሳኦም ከም ዚኸውን (ህዝ.34)፡ ሓድሽ ልቢ ኸም ዚህቦም (ህዝ.36፡26-28)፡ ዳዊት ከኣ ንጉሶም ከም ዚኸውን (ህዝ.34፡24፤ 37፡24-28) ተነበየሎም። ነዚ ሓድሽ ኩነታት ድማ ብምሳሌ እታ ሓዳስ ቤት መቕደስ ገይሩ ገለጸሎም (ህዝ.40-48)። መፈጸምታ ናይዚ ኹሉ ኸኣ ዘበን ወንጌል ምዃኑ ርጉጽ እዩ።

  45. ነብይ ዳንኤል • ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ እግዚኣብሄር ፈራዲ እዩ፡ማለት እዩ። ነብዪ ዳንኤል ኣብ ሃገር ይሁዳ ካብ ወገን ነገስታት ወይ መሳፍንቲ እተወልደ ይመስል፡ ዓቢ ኽእለት ከኣ ነበሮ። ብ 605 ቅ.ል.ክ. ነቡካድነጻር ንዳንኤልን ብጾቱን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም፡ ንዳንኤል ከኣ ቤልጥሻጽር ብዚብል ስም ሰመዮ። ኣብ ባቢሎን ከኣ ትምህርቲ ከለዳውያንን ቛንቋኦምን ተማህረ (ዳን.1፡1-7)። ዳንኤል ንኣምላኹ ስለ ዘይረስዔ፡ ከይረክስ ተጠንቀቐ፡ ከም ሓሳቡን ጥንቃቔኡን ከኣ ረኸበ (ዳን.1፡6-16)። ተማሂሩ ኸኣ ኣብ ባቢሎን ተሾመ (ዳን.1፡17-21)። ስለዚ ዳንኤል ክሳዕ 536 ቅ.ል.ክ. ንነቡካድነጻርን ንዳርዮስን ንቤልሻጽርን ንቂሮስን እናመሃረን ሕልሚ እናፈትሐን ጽሕፋት እናተርጎመን ኣገልገለ። ምእንቲ ህዝቢ እግዚኣብሄር ይጽሊ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ብዙሕ ራእይ ረኣየ። እንተኾነ ንጣኦት ምምላኽ ስለ ዝኣበየ ኣብ ጉድጓድ ኣናብስ ተደርበየ፡ እግዚኣብሄር ግና ካብ ሞት ኣድሓኖ። ዳንኤል በቲ ጽቡቕ ኣካይዳኡ እተፈልጠ ነበረ (ህዝ.14፡14፥20)። ትንቢት ዳንኤል፤ • እቲ ዳንኤል ዝተርጎሞ ሕልምታትን ዝረኣዮ ራእይን ብርቱዕ ምስጢር ዝሓቖፈ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ሊቃውንቲ ኺትርጉምዎ ኸለው በበይኑ ርእይቶ ይህቡሉ። እቲ ቐንዲ ዕላማ ትንቢት ዳንኤል ግና፡ ኣብ መወዳእታ፡ እግዚኣብሄርን ህዝቡን ከም ዚዕወቱ ምግላጽ እዩ። እቲ ኣብ ዛንታ ዓለም እተፈጸመ ተግባራት፡ ኣብ ትንቢት ዳንኤል በብኽፍሉ ተገሊጹ ኣሎ።

  46. 2.ናኣሽቱ ነብያት እዞም ዝስዕቡ ዓሰርተ ኽልተ (12) ነብያት ድማ ናኣሽቱ ነብያት ተባሂሎም ይጽዉዑ፣ ናኣሽቱ መበሊኦ ከኣ በቲ ሒዞሞ ዘለዉ ምዕራፍን ቁጽርን ካብቶም ካልኦት ኣርባዕተ ስለ ዝውሕዱ እዩ። ዝርዝር ኣስማቶም ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ፤ • ነብይ ሆሴዕ 9. ነብይ ሶፎንያስ • >> ኢዩኤል 10. >>> ሃጌ (ሓጌ) • ነብይ ኣሞጽ 11. ነብይ ዘካርያስ • >>> ኣብድዩ 12.>>> ሚልክያስ እዮም። • ነብይ ዮናስ • >>> ሚክያስ • ነብይ ናሆም • >>> እምባቆም

  47. ነብይ ሆሴዕ • ሆሴዕ፤ ብዕብራይስጥ {እግዚኣብሄር መድኃኒ} ማለት እዩ። ትምቢት ሆሴእ፤ • ነገዳት እስራኤል ኣብ ክልተ መንግስታት ምስ ተመቕሉ፡ ነብዪ ሆሴእ ካብ 765 ክሳዕ 725 ቅ.ል.ክ. ብዛዕባ ውድቀት እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ተነበየ። ድሕሪ ሞት ዳግማዊ የሮብዓም ከኣ እታ መንግስቲ እናደኸመት ከደት፡ ብ 722 ቅ.ል.ክ. ከኣ ብዓሰርተ ኢድ ወደቐት። እንተኾነ ግና ህዝቢ እግዚኣብሄር ሓደ ብምንባሩ፡ ሆሴእ ኣብቲ ትንቢቱ ብዛዕባ ይሁዳውን ወሲኹ ተነበየ (ንኣብነት ሆሴ.2፡2)። በቲ ብዛዕባ ይሁዳ እተነበየሉ ዘበን፡ ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን በብእዋኖም ኣብ ይሁዳ ነጊሶም ከም ዝነበሩ ነንብብ (ሆሴ.1፡1)። በቲ ዘበን እቲ ኣሞጽን ኢሳይያስን ሚክያስን ይንበዩ ኸም ዝነበሩ ንዝክር። • እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይ ሆሴእ ብዛዕባ እቲ እሙን ፍቕሪ እግዚኣብሄር ክነሱ (ሆሴ.2፡23-24፤ 14፡4)፡ እቲ ቐንዲ ዕድመ ኸኣ እቲ ህዝቢ ኣብ ምፍላጥ ኣምላኽ ተመሊሱ ኸም ዚድሕን ምንጋር ነበረ (ሆሴ.4፡6፤ 6፡6፤ 13፡14)።

  48. ነብይ ኢዩኤል • ኢዩኤል፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ ማለት እዩ። ነብይ ኢዩኤል ካብ ነገድ ሮቤል ኮይኑ ፣ ኣብኡ ባቱኤል ፤ ኣዲኡ ከኣ መርሱለ ትብሃል። ነብይ ኢዩኤል ብ600 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝንበ ዝነበረ ነብይ እዩ። ትንቢት ኢዮኤል፤ • እዛ ትንቢት ኢዮኤል እተባህለት መጽሓፍ መኣስ ከም እተጻሕፈት ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ኢዮኤል ቅድሚ ኣሞጽ እተነበየ ነብዪ እዩ፡ ዚብሉ ሊቃውንቲ ኣለው። ድሕሪ ሚልክያስ ስለ እተነበየ፡ ናይ መወዳእታ ነብዪ እዩ ዚብሉውን ኣለው። እቲ ትንቢቱ ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ይመስል (ዮኤ.2፡15፥23)። እቲ ዮኤል እተነበዮ ጊዜ፡ ዜፍርህ እዋንን መቕጻዕቲ ኣንበጣ ዚመጻሉ ግዜን እዩ (ዮኤ.1፡1-2፡27)። ኢዮኤል ከኣ፤ (እቲ ንኣንበጣ) ሰራዊቱገይሩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዚ (ዓቢን ሓያልን ህዝቢ) ዝለኣኸ እግዚኣብሄር እዩ፡ይብል (ዮኤ.2፡2፥11)። ብዛዕባ እታ ምልእቲ ዓለም ፍርዲ እግዚኣብሄር እትቕበለላ፡ ብዛዕባ እታ (መዓልቲ እግዚኣብሄር)ኢሉ ዝጠቐሳ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ይንበ (ዮኤ.3፡14)። ካብ ትንቢት ዮኤል እታ ኣጸቢቓ እተፈልጠት ክፍሊ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኹሉ ስጋ ዘፍስሶ መንፈስ እተተስፉ ጥቕሲ እያ (ዮኤ.2፡28-32። ግብ.2፡16-22)። እቲ ቐንዲ ዕድመ ናይቲ ትንቢት ከኣ ብፍጹም ልቢ ናብ እግዚኣብሄር ተመልሱ ዚብል እዩ (ዮኤ.2፡13)። ክፍልታት ትንቢት ኢዮኤል፤ • መቕጻዕቲ ኣንበጣ (ዮኤ.1፡1-12)። • በረኸት እግዚኣብሄር ነቶም ዚንስሑ ሰባት (ዮኤ.1፡13-2፡27)። • ምኽዓው መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰባት (ዮኤ.2፡28-32)። • ፍርዲ ህዝብታት ዓለም (ዮኤ.3፡1-15)። • ብጽእና ህዝቢ እግዚኣብሄር (ዮኤ.3፡16-21)።

  49. ነብይ ዮናስ • ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ {ርግቢት}ማለት እዩ። ዮናስ ብጊዜ የሮብዓም እቲ ኻልኣይ ዝነበረ ነብዪ እዩ። ነብዪ ዮናስ፡ የሮብዓም ንሶርያውያን ኣባሪሩ ዶብ እስራኤል ከም ዜምልስ ተነበየ። ዮናስ ኣብ ገሊላ ኣብ ከተማ {ጋት-ሔፌር}ይነብር ነበረ፡ ኣቦኡ ኸኣ “ኣሚታይ”ይብሃል (2ነገ.14፡25። ዮና.1፡1)። እግዚኣብሄር ንዮናስ ናብ ነነዌ ኸይዱ ኺሰብኽ ምስ ኣዘዞ፡ ነቲ ትእዛዝ ሓዲጉ ብመርከብ ሃደመ። እግዚኣብሄር ከኣ ህቦብላ ንፋስን ንዮናስ ዚውሕጥ ዓቢ ዓሳን ኣዳልዩ ናብ መሬት መለሶ (ዮና.1፤ 2)። ከም ብሓድሽ ምስ ተጸውዔ ኸኣ ናብ ነነዌ ኸደ እሞ፡ ነነዌ ኸም እትግምጠል ሰበኸ። ሰብ ነነዌ ምስ ተነስሑ ኸኣ ኣምላኽ መሓሮም (ዮና.3)። ዮናስ ግና ምድሓን ነነዌ ኣየሐጎሶን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኦም ጉልዒ ምሳሌ ገይሩ፡ ምሕረት ጽቡቕ ከም ዝኾነ የረድኦ (ዮና.4)።

  50. ትንቢት ዮናስ • እቲ ኣብ ካልኦት መጽሓፍቲ ትንቢት ዚርከብ ቀንዲ ሓሳብ፡ እቲ ናይ ትንቢት መልእኽቲ እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ግና እቲ ብዛዕባ እቲ ነብዪ (ማለት ዮናስ) ዜዘንቱ ዛንታ ዓዚዙ ንረኽቦ። (እቲ ኣብ 1ነገ.17-19 ብዛዕባ ኤልያስ ተባሂሉ ዘሎ ምስ ትንቢት ዮናስ ኣመዓራሪ)። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዮናስ ባዕሉ ኸም ዝጸሓፋ ኣይተገልጸትን፡ እንተኾነ ግና ካልእ ሰብ ካብ ዮናስ ሰሚዑ ዝጸሓፋ ትመስል። እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እቲ ኣምላኽ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተኾነ ኣምላኽ ኣህዛብ ኩላ ምድሪውን ዝኾነ እግዚኣብሄር፡ መሓሪ ከም ዝኾነን (ዮና.4፡2፥11)፡ ከምቲ ነቲ ነብዪ ይኹን (ዮና.2፡5፥10) ወይስ ንሰብ ነነዌ (ዮና.3፡10) ናብ ንስሓ መሪሑ ኺምሕሮም ዝፈተወ፡ ንዓለም ከኣ ዚፈቱ ኣምላኽ ከም ዝኾነን (ዮሃ.3፡16) ንምግላጽ እዩ። ክርስቶስ ከኣ ነቲ ምውጻእ ዮናስ ካብ ከብዲ ዓሳ፡ ምሳሌ ትንሳኤኡ ገይሩ ይዛረበሉ (ማቴ.12፡39-42። ሉቃ.11፡30-32)። • ክፍልታት ትንቢት ዮናስ፤ • እግዚኣብሄር ነቲ ዚኹብልል ዝነበረ ዮናስ ይመልሶ (ዮና.1)። • ጸሎት ዮናስ (ዮና.2)። • ስብከት ዮናስን ፍሬኡን (ዮና.3)። • ኩራ ዮናስን ምሕረት ኣምላኽን (ዮና.4)።

More Related